ኬንያ፣ ሓድሽ ኣዋጅ ወሰኽ ግብሪ ዘስዓቦ ህዝባዊ ተቓውሞ፣ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም

RADIO ERENA – Thursday, 27 June 2024

መንግስቲ ኬንያ ድሕሪ ዘሕለፎ ሓድሽ ኣዋጅ ወሰኽ ግብሪ፣ ኣብታ ሃገር ንልዕሊ ሳልስቲ ኣብ ዝቐጸለ ህዝባዊ ተቓውሞ ሓያሎ ሰባት ተቐቲሎም።

ፖሊስ ነቶም ኣብ ከተም ናይሮቢ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ዘካይዱ ዝነበሩ ዜጋታት እታ ሃገር ንምብታን፣ ዘንብዕ ጋዝን ጠያይትን ብምትኳስ፣ ንሓይሎ ከምዝቐተለን ከምዘቝሰለንዩ ተወቒሱ።

ፕረዚደንት ኬንያ፣ ብቴሌቪዥን እታ ሃገር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፣ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብባይቶ እታ ሃገር ጸዲቑ ዝተኣተወጀ ሓድሽ ወሰኽ ግብሪ፣ ኣብ ተግባር ከይውዕል፣ ብሓደገኛታት ሰባት ስለዝተጨውየ፣ እቲ ናዕቢ ከምዝተጎሃሃረዩ ገሊጹ።

እንተኾነ፣ ብብልሽውናን ወሰኽ ናህሪ ዋጋታትን ከማርር ዝጸንሐ ህዝቢ እታ ሃገር፣ እቲ መንግስቲ ዘሕልፎ ኣዋጅ፣ ንተወሳኺ ሕሰልም ዘቃልዕዩ ብምባልዩ ዝቓወሞ ዘሎ።

እቲ ናዕቢ፣ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ከይሰፍሕን ናብ ካልኦት ከተማታት ድማ ከይላባዕን ዝሰግዐ መንግስቲ ኬንያ፣ ኣብ ልዕሊ ምዱባት ኣባላት ፖሊስ፣ ሰራዊት ውን ኣዋፊሩ ከምዘሎ፣ ሚኒስተር ምክልኻል ዓደን ዱዋላ ንማዕከናት ዜና ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ድማ እቲ ናዕቢ እናበኣሰ ይኸይድ ብምህላዉ፣ እቲ ናይ ወሰኽ ግብሪ እማመ ደው ክብል ሎሚ 27 ሓሙስ ሰነ ወሲኑ ኣሎ።

መንግስቲ ኬንያ፣ ነቲ ብሰንኪ ኮቪድን ድሕርኡ ዝሰዓበ ቁጠባዊ ነውጽታትን ተሃስዩ ዝበሎ ቁጠባ ንምሕዋይ፣ ወሰኽ ግብሪ ብምእዋጅ፣ ናይ ኣስታት 2.7 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ሃገር ንምእካብ ዩ መዲቡ ኔሩ።

===========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0