ኣመሓዳሪ ደቡብ ዳርፉር፣ ብሰንኪ ኣብ ንያላ ዝተኻየዱ ውግኣት ልዕሊ 1000 ሲቪላት ከም ዝተቐትሉ ገሊጹ

RADIO ERENA – Friday, 14 June 2024

ካብ መወዳእታ ወርሒ ጥቅምቲ 2023 ጀሚሩ ኣብ ንያላ ኣብ መንጎ ሰራዊት ሱዳንን ፈጣን ሓይልታትን ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ልዕሊ 1000 ሰለማውያን ሰባት ከምዝሞቱ ኣመሓዳሪ ደቡብ ዳርፉር ሓቢሩ።

በሽር መርሳል ምስ ዓረብ ዎርልድ ፕረስ (AWP) ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፣ ኣብ ንያላ ዘጋጠመ ፍጻሜ ንመሰረተ ልምዓት እቲ ዞባ ዒላማ ብምግባርን ቀንዲ ዕዳጋታት ብምዝማትን ከም ዝተኻየደ ገሊጹ።

ኣብ ንያላ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት፣ ትሕተ ቅርጺ ኩለን ሚኒስትሪታት ማለት ሽዱሽተ ሚኒስትሪታት ምሉእ ብምሉእ ክዓኑ እንከሎ ዩኒቨርሲቲታት ድማ ከም ዝተዘምታ ሓቢሩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ ሓያሎ ትካላት ናብ ኩለን ሆስፒታላትን ትካላት ጥዕናን እቲ ዞባ ሕክምናዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ይሰርሓ ከምዘለዋ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ ኲናት ሓድሕድ ሱዳን 525,501 ክመዛበሉ እንከለዉ፣ ኣብዚ ሕጂ እዋን 1,317,157 ተመዛበልቲ ኣብተን መዓስከራት ይርከቡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0