ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓሰን ተኸሲሰን

RADIO ERENA – Friday, 14 June 2024

ኢራንን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብ’ቲ ን14 ኣዋርሕ ዝጸንሐ ግጭት ሱዳን፣ ንክልቲኦም ወገናት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብምሃብ እገዳ ኣጽዋር ሕቡራት ሃገራት ብምጥሓሰን ተኸሲሰን።

ነቲ ክሲ ንምድጋፍ ካብ ዝቐረበ መርትዖታት ኣብ 12 መጋቢት 2024 ወተሃደራት መንግስቲ ሱዳን ንዋና ቤት ጽሕፈት መንግስታዊ ፈነወ ዳግማይ ኣብ ዝሓዝሉ ብሓገዝ ብኢራን ዝተሰርሓ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከምዝተፈጸመ ዘርኢ ቪድዮታት ይርከቦ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ጥሪ 2024፣ ኣብ ትዊተር ማለት ኤክስ ኣብ ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብፈጣን ሓይልታት ከምዝወደቐት ዝተገልጸት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት፣ ሞተርን ጭራኣን ንሓንቲ ብኢራን ዝተሰርሐት ሞሃጀር-6 እትበሃል ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ከምዝመስል ተገሊጹ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፣ ፈጣን ሓይልታት ውን ብወገኑ ናይ ሕቡራት ኢማራት ምኻነን ዝተገልጻ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቕመት ኣብ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ክኢላ ኣጽዋር ብራያን ካስትነር ሓቢሩ።

ንሱ ብተወሳኺ ኢማራት ዓረብ ኣብ ካልኦት ከም ኢትዮጵያን የመንን ዝኣመሰላ ናይ ግጭት ከባቢታት ተመሳሳሊ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ነተን ሃገራት ከም ዝሃበት ይኸስስ።

እንተኾነ ኢማራት ዓረብ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ካልኦት ሃገራት ኢዳ ከምዘይተእቱ ብተደጋጋሚ ክትነጽግ ምጽናሓ ይፍለጥ።

ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይ’ዚ ዓመት’ዚ ወኪል ሱዳን ኣብ ሕቡራት ሃገራት ኣልሓሪት እድሪስ፣ ኢማራት ዓረብ ንፈጣን ሓይልታት ሱዳን ኣጽዋር፣ መካይንን ፋይናንሳዊ ደገፍን ትድግፍ‘ያ ብዝብል ባይቶ ጸጥታ ክኹንን ጸዊዑ ኔሩ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ(UAE)፣ ነቲ ብጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዶጋሎ ዝምራሕ ፈጣን ሓይልታት ትሕግዝ‘ያ ዝብል ካብ ሱዳን ዝመጸ ክሲ ኣብ እዋኑ ከም ዝነጸገቶ ይዝከር።

===================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0