ሶማል፣ ኣብ መንጎ ክልተ ቀቢላታት ብዝተኻየደ ግጭት ብውሕዱ 55 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

RADIO ERENA – Monday, 10 June 2024

ኣብ ሶማል፣ ኣብ ቀዳመሰንበት፣ ኣብ መንጎ ክልተ ቀቢላታት ኣብ ዝተኻየደ ግጭት፣ ብውሕዱ 55 ሰባት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ልዕሊ 155 ድማ ከምዝቖሰሉ፣ ንሰበ ስልጣን ጥዕና ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

እቲ ኣብ መንጎ ቀቢላታት ዲርን ማሪሃን ዝተኻየደ ግጭት፣ ብዋንነት መሬትን ማይን ብዝተበገሰ ምስሕሓብ ከምዝተጎሃሃረ፣ ነበርቲ ቲ ግጭት ዝተወልዓለን ዓድታት ኣቡድዋቕን ሔራልን ከምዝሓበርዎዩ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጠቒሱ።

ክልቲኦም ቀቢላታት፣ ኣብ ጎኒ ሰራዊት መንግስቲ ምስ ዝተሰለፈ ሚሊሻ ብምዃን፣ ኣልሸባብ ካብ ዞማ ጋልምዱግ ንምጽራግ ኣብ ዝተኻየደ ወትሃደራዊ ወፍሪ ከምዝተጸንበሩ ዩ ዝግለጽ።

ኣብ ሶማል፣ ብዘይካቲ ኣልሸባብ ፈጢርዎ ዘሎ ጸጥታዊ ስግኣት፣ ነዚ ዝሓለፈ ልዕሊ 33 ዓመታት ምሉእ ብምሉእ ክዓርፍ ዘይክኣለ ቀቢላዊ ግጭታትውን ካልእ ዘቤታዊ ብድሆዩ።

ሰራዊት መንግስቲ፣ ነቲ ንክልተ መዓልታት ዝቐጸለ ግጭት ድሒሩ ከህድኦ እኳ እንተኸኣለ፣ ወጥርን ምትፍናንን ግና ዛጊት ኣይዘሓለን።

ስእሊ፦ ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0