ሱዳን፣ ካብ ሩስያ ኣጽዋርን ተተኮስትን ትሓትት ምህላዋ ተገሊጹ

Radio Erena: Friday, 07 June 2024

ምክትል ኣቦ መንበር ቤት ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ፣ ማሊክ ኣጋር ዝመርሖ ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን፣ ናብ ሩስያ ምብጻሕ ኣካይዱ።

እቲ ሚኒስተራር ፋይናንስ፣ ማዕደንን ካልኦት ሰበ ስልጣንን ዝሓቖፈ ልኡኽ ሱዳን፣ ጎኒ ጎኒ’ቲ ኣብ ከተማ ፒተርስበርግ ዝጋባእ ዋዕላ ቁጠባ፣ ምስ ሩስያ ኣብ ክልትኣዊ ጉዳያት ዘተኮረ ዛዕባታት ክመያየጥ ምዃኑ ‘ዩ ተሓቢሩ።

ሱዳንን ሩስያን ዝመያየጣሉ ነጥብታት እኳ እንተዘይተሓበረ፣ ምስ ፈጣን ሓይልታት ኣብ ኵናት ዝርከብ መንግስቲ ሱዳን፣ ሰራዊቱ ንምኽያል ካብ ሩስያ ኣጽዋርን ተተኮስትን ብሓገዝ ንምርካብ ኣብ ዘኽእል ዛዕባ ዘተኮረ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ትንታነታቶም ይህብሉ።

ሩስያ ብወገና፣ ኣምሳያ ናይቲ ንመግስቲ ሱዳን እትገብረሉ ወትሃደራዊ ድጋፍ፣ ኣብ ከባቢ ፖርት ሱዳን፣ ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ከተቕርቦ ዝጸንሐት ሕቶ ዳግም ከተቕርቦ ከምእትኽእል እቶም ተንተንቲ ብተወሳኺ ኣሚቶም።

ሩስያ፣ ኣብ ሱዳን ወትሃደራዊ መዓስከር ንምቛም ምስ ስርዓት በሽር ኣብ ስምምዕ በጺሓ ምንባራ ይዝከር።

እንተኾነ፣ ስርዓተ በሽር ድሕሪ ምእላዩ፣ እቲ ስምምዕ ክስጉም ከምዘይክኣለን፣ ሱዳን ናብ ኵናት ክልተ ወትሃደራውያን ሓይልታት ድሕሪ ምእታዋ ድማ ከምዝዛሕተለን ይፍለጥን።

እዚ ከምዚ ‘ሉ እንከሎ፣ ምክትል ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ሱዳን፣ ጀነራል ሻምሳዲን ካባሺ ዝመርሖ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ፣ ናብ ኒጀርን ማሊን ምብጻሕ የካይድ ኣሎ።

ሚኒስተር ምክልኻል ሱዳን፣ ጀነራል ኢብራህም ያሲን’ውን ምስ ጀነራል ካባሺ ናብዘን ሃገራት ኣምሪሑ ይርከብ።

ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ሱዳን፣ ናብተን ወትሃደራዊ ዕልዋታት ብምክያድ ምስ ሩስያ ዝወገና ሃገራት ምብጻሕ ዘካይድ ዘሎ፣ ኣብ ህሉው ኩነታት ሱዳን ብዝምልክተ ንምምይያጥን ዲፕሎማስያውይን ፖለቲካን ደገፍ እተን ሃገራት ንምሕታትን ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0