ንምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ብዝምልከት ተጋራጫዊ ርእይቶታት ይስማዕ

Radio Erena: Thursday 06 , June 2024
ንምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሶማል ብዝምልከት ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ሶማል ተጋራጫዊ ርእይቶታት ይስማዕ ኣሎ።
መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሕብረት ኣፍሪቃ ተጠርኒፉ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ካብ ሃገሩ ክወጽእ ምውሳኑ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ሳልስቲ ብወግዒ ኣፍሊጡ እዩ።
እንተኾነ ሰበስልጣን ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ብኣንጻሩ፣ ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ደገፍ ኣቕሊልካ ዝረአ ስለዘይኮነ፣ ክጸንሕ ኣለዎ፣ ክብሉ ተቓውሞኦም የስምዑ ኣለዉ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ምስ ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝኣተዎ ኣፈናዊ ስምምዕ ምክራይ ኣፍደገ ባሕሪ፣ ንውሽጣዊ ጸጥታ ሶማል ዝህውኽ እዩ ብምባል፣ መንግስቲ ሶማል ምውጻእ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ 2024 ዓመተ ምህረት ተግባራዊ ክኸውን ኣዚዙ።
ምምሕዳር ደቡባዊ ምዕራብ ሶማል ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ፣ ነቲ ‘ብገለ ወገናት’ ይንዛሕ ኣሎ ዝበሎ፣ ንተራ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ጸጥታን ምርግጋእን ሶማል ዘቋሽሽ ዘመተ፣ ይከታተሎ ከምዘሎ፣ ‘ንረብሓ ዝህቢ ሶማል ከኣ ኣየገልግልን እዩ’ ክብል ገሊጹ።
ኣብ መንጎ መንግስታት ኢትዮጵያን ሶማልን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ምስ ተፈጥረ፣ መንግስቲ ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኣምባሳደሩ ብምስሓብ፣ ንኣምባሳደር ኢትዮጵያ ከኣ ካብ ሞቓድሾ ከምዝሰጎገ፣ ኣብ እዋኑ ተገሊጹ እዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0