ኣብ ጫካታት ኢትዮጵያ ተዓቚቦም ዝርከቡ ሱዳናውያን ስደተኛታት ንምድሓን ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: Wednesday 05 , June 2024

ኣብ ሱዳን ዝመደበረን ሲቪላውያን ማሕበራት ኣብ ጫካታት ኢትዮጵያ ተዓጽዮም ዘለዉ ኣስታት 6 ሽሕ ሱዳናውያን ስደተኛታት ከድሕኑ ንቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ጻውዒት ኣቕሪበን።

መርበብ ሓበሬታ ኣልራኮባ ሱዳን ከምዝሓበሮ፣ ካብ መጀመርታ ወርሒ ግንቦት ጀሚሩ፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሱዳናውያን ስደተኛታት፣ ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ምስ ወረዶም፣ ካብ መዓስከር ኮመር ሃዲሞም ኣብ ጫካታት እቲ ከባቢ ኣብ ከቢድ ሰብኣዊ ኩነታት ተዓጽዮም ከምዘለዉ ገሊጹ።

ካብቶም 6,000 ሱዳናውያን ስደተኛታት፣ 2,133 ህጻናት፣ 1,017 ደቂንስትዮ፣ 1,917 ደቂ ተባዕትዮ፣ 1,135 ሕሙማት፣76 ፍሉይ ክንክን ዘድልዮም ሰባት ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እዞም ካብ ሱዳን ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ኣብቲ ጫካ ን22 መዓልታት ኣብ ዝጸንሑሉ እዋን ካብ ኣህጉራዊ ትካላት ይኹን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ዓይነት ሓገዛት ስለዝተሓረሙ፣ UNHCR ኩነታቶም ክከታተል ጸዊዖም።

እዞም ሱዳናውያን ስደተኛታት ኣብ መጀመርታ ሰሙን ናይ ዝሓለፈት ወርሒ፣ ከቢድ ሕጽረት መግቢ፣ እኹል ሕክምናዊ ክንክን ዘይምህላውን ብዕጡቓት መጥቃዕቲ ምስ ወረዶምን፣ ካብቲ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝመሓደር ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝርከብ መዓስከራት ሃዲሞም ኣብ ጫካታት እቲ ከባቢ ከምዝተዓቕቡ ይዝከር።

=====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0