ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ዘተ ሰላም ንኽሳተፍ ብኣመሪካ ዝቐረበሉ ዕድመ ነጺጉዎ

Radio Erena: Friday, 31 May 2024

ወተሃደራዊ ቆንስል ሱዳን፣ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝካየድ ዘተ ሰላም ንኽሳተፍ ብኣመሪካ ዝቐረበሉ ዕድመ ነጺጉዎ።

ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ ቆንስል ዓብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እዩ ነቲ ዕድመ ኣቕሪቡሉ።

እንተኾነ፣ ምኽትል’ቲ ኣቦ ወንበር ማሊክ ኣጋር ብ30 ግንቦት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብዛዕባ’ቲ ዘተ ሰላም እኹል ሓበሬታ ከይተዋህበናን፣ ዘቐመጥናዮ ቅድመ ኩነት ከይተተግበረን፣ ናብ መኣዲ ዘተ ኣይንቐርብን ኢሉ።

ማሊክ ኣጋር ኣብ መግለጺኡ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ከም ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኢማራት ዓረብን ዝኣመሰላ ሃገራት፣ ናይ ገዛእ ርእሰን ኣጀንዳ ንኸተግብራ ብስም ሸምገልቲ ኣትየን፣ ጉዳያት የባላሽዋ ኣለዋ፣ ክብል ከሲሱ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0