ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ጉጅለ፣ ዕድመ ስልጣና ክናዋሕ ጻውዒት ቀሪቡ

Radio Erena: Friday, 31 May 2024

ልዕሊ 30 ኣህጉራውያን ዘይመንግስታውያን ትካላት፣ ኣብ ኤርትራ ንዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት እትምርምር ጉጅለ፣ ዕድመ ስልጣና ክናዋሕ ጻውዒት ኣቕሪበን።

እዘን ዘይመንግስታውያን ማሕበራትን ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዘቕረብኦ ጻውዒት፣ መንግስቲ ኤርትራ ብተደጋጋሚ ንዝኽሰሰሉ ምግሃስ መሰላት ይቕጽሎ ኣብ ርእሲ ምህላዉ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝርከቦም፣ ምስ ኣህጉራውያን ትካላት ኮነ መንግስታት ዝኾነ ናይ ምትሕግጋዝ ምልክት ብዘይምርኣዩ፣ ስልጣንን ዕማማትን ናይታ መርማሪት ጉጅለ ክናዋሕ ጸዊዐን።

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይ 2023 ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘካየዶ ዋዕላ እዩ፣ እታ ጉጅለ ስርሓ ክትቅጽል ዕድሜኣ ብሓደ ዓመት ኣናዊሑዎ ጸኒሑ።

እዘን ዘይመንግስታውያን ትካላት ዘቕርቦኦ ዘለዋ ጻውዒት፣ መበል 56 ስሩዕ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ካብ 18 ሰነ ክሳብ 12 ሓምለ 2024 ኣብ ዝካየደሉ እዋን፣ እቲ ባይቶ ዝርዝር ሓበሬታ ዘለዎ ጸብጻብ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዝካየድ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክቐርብ፣ መንግስቲ ኤርትራ ከኣ ምትሕብባር ከርእይ ንምቕሳብ ዝዓለመ ምሕጽንታ እዩ።

ናይዚ ዓመት’ዚ ዋዕላ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላትን ንዕኡ ስዒቡ ዝቃናዕ ዋዕላ ውድብ ሕቡራት ሃገራትን፣ ኣብ ጉዳይ ኤርትራ ፍሉይ ኣቓልቦ ብምግባር፣ ነቲ ብመንግስቲ ኤርትራ ተፈጺሙን ይፍጸም ኣሎን ዝበሃል ዘሎ ገበናት ደው ዝብለሉ ሓሳባት ንምምጻእ ጥራይ ዘይኮነ፣ ሓላፍነት ዝወስዱሉ ትካላት መንግስትን ውልቀሰባትን እውን ተለልዮም ክርቁሑ፣ እተን ትካላት ሰብኣዊ መሰላት ይምሕጸና።

መንግስቲ ኤርትራ፣ ኣብ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ዓመታዊ ዝቐርብ ጸብጻብ ብዛዕባ ፈጺሙዎ ዝበሃል ኩሉ ዓይነት ምግሃስ መሰላት፣ ጸማም እዝኒ ብምሃብ፣ ወይ ከኣ ‘ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ’ ብምባል ክንነጽጎ እዩ ጸኒሑ።

==========

COMMENTS

WORDPRESS: 0