ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዓመታዊ ባጀተን፣ ንትምህርቲ ዝስላዕ መጠን ገንዘብ ብዝተዓጻጸፈ ክውስኻ፣ ጻውዒት ቀሪቡ

RADIO ERENA – Wednesday, 29 May 2024


ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ዓመታዊ ባጀተን፣ ንትምህርቲ ዝስላዕ መጠን ገንዘብ ብዝተዓጻጸፈ ክውስኻ፣ ጻውዒት ቀሪቡ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ ካብ ዕለት 27 ግንቦት ጀሚሩ ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብ ዝቕጽል ዘሎ ዓመታዊ ዋዕላኡ፣ ካብ መላእ ዓለም ዝተኣኻኸቡ ምሁራት ስነ-ቁጠባን ግዱሳት ባንክታትን ኣብ ዝሳተፉዎ ዘለዉ ኣብ ከተማ ናይሮቢ እዩ እቲ ጻውዒት ቀሪቡ።
ንሃገራት ኣፍሪቃ፣ ቀንዲ መሓንቖ ምዕባለ ኮይኑወን ዘሎ ኲናት ሓድሕድን ምስ ጎረባብቲ ሃገራትን፣ ዝበዝሐ ካብ ዓመታዊ ባጀተን ናብ መግዝኢ ኣጽዋር የውዕላ ብምህላወን፣ ከም ትምህርትን ጥዕናን ዝኣመሰሉ ጽላታት ኣቓልቦ ስኢኖም ምህላዎም ኣብቲ ዋዕላ ተገሊጹ።
ባንክ ልምዓት ኣፍሪቃ፣ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታት ልዕሊ 960 ሚልዮን ዶላር ኣብ ምዕባለ ትምህርቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ከምዘውዓለ ብምጥቃስ፣ ኣተኩሮ መራሕቲ ኣሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኣብቲ ቀንዲ ምንጪ ምዕባለ ዝኾነ ሓይሊ መንእሰይ ኣተኲረን፣ ወፍሪ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ ምምሃርን ምስትምሃርን ክሳብ ዘይገበራ፣ መጻኢ ኣፍሪቃ ውሕስነት ከምዘይብሉ ኣነጺሩ።
ኣብቲ ክሳብ 31 ግንቦት ኣብ ከተማ ናይሮቢ፣ ኬንያ ዝካየድ ኣህጉራዊ ዋዕላ፣ ዕድመ ዝተገብረሎም መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ክሳተፉን ካብ ህዝቢ ዝቐርበሎም ሕቶታት ክምልሱን ትጽቢት ይግበረሎም።

COMMENTS

WORDPRESS: 0