ፕረዚደንት ኢሰያስ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ተማሕጺኑ

RADIO ERENA – Tuesday, 28 May 2024

ምክትል ሓላፊ ልኡላዊ ባይቶ ሱዳን ማሊክ ኣጋር ትማሊ ሰንበት ኣብ ኤርትራ በጺሑ።

እቲ ርክብ፣ ክልተኣዊ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራትን ንምዕባይ መዳያት ሓባራዊ ምትሕብባር ንምዕባይ ዝዓለመ ምዃኑ ብክልቲኦም ወገናት ተገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፍወርቂ፣ ብኲናት ዝስዓበ፣ ምምዝባልን ስደትን ህዝቢ ሱዳን ከብቅዕ ተማሕጺኑ።

ኣብ መጀመርታ ወርሒ ናይዚ ዓመት’ዚ ገስጋስ ፈጣን ሓይልታት ናብቲ ምስ ኤርትራ ቅርበት ዘለዎ ምብራቓዊ ሸነኽ ገዳርፍን ከሰላን፡ ምስቶም ኣብ ክልቲኡ ሃገራት ዝነብሩ ናይ ሓባር ብሄራት ተደሚሩ፡ ኣብቲ ዞባ ክህሉ ዝኽእል ዘይምርግጋእ ዘበገሶ ስግኣት ማሊክ ኣጋር ኣብ ኤርትራ በጺሑ ከምዝነበረ ይዝከር።

ብቐንዱ ኤርትራ ምስ ኣብ ምብራቓዊ ሱዳን ዝርከቡ ሓያሎ ቀቢላታት፣ በኒ ዓመር፣ ቤጃን ራሻይዳን ሓዊሱ ነዊሕ ዝጸንሐ ዝምድና ክትሕሉ ከም ትፍትን ዝተፈላለዩ ወገናት ይገልጹ።

ኤርትራ ኣብ 2022፡ ብሰንኪ’ቲ ሓባራዊ ብሄር ፈጣን ሓይልታት ካብ ከባቢታት ዶብ ምብራቓዊ ሱዳን ወተሃደራት ንምምልማል ዝሓንጸጾ መደብ ስክፍታ ኣርእያ ከም ዝነበረት ይዝከር።

===============

COMMENTS

WORDPRESS: 0