RADIO ERENA – Thursday, 23 May 2024
ኮሚሽን ኣህጉራዊ ሃይማኖታዊ ናጽነት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ (USCIRF)፣ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ኤርትራ ንዝፍጸም ግህሰት ሃይማኖታዊ ናጽነት ዝያዳ ኣቓልቦ ክገብር ዝጽውዕ ጽሑፍ ኣውጺኡ።
USCIRF ኣብ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እሱራት ዝረአ ዘሎ ኣተሓሕዛ ብፍላይ ዘስካሕክሕ ምዃኑ ገሊጹ።
መንግስቲ ኤርትራ ዝኣሰሮም ገለ መራሕቲ ሃይማኖት ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ገና ኣብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዘለዉ እቲ ኮምሽን ገሊጹ።
እቲ ጸብጻብ ብተወሳኺ ጳጳስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ ኣቡነ ኣንቶንዮስ ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ኣብ መበል 94 ዓመቶም ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ከለዉ ከም ዝዓረፉ ኣብሪሁ።
ካልኦት ኤርትራውያን መራሕቲ ቤተ ክርስቲያን ተመሳሳሊ ዕጫ ክወርዶም የብሎምን ዝበለ እቲ መግለጺ” ኤርትራ ሃብታም ታሪኽ ክርስትናን ኣብ ዝተነድፈ ቅዋማ ንሃይማኖታዊ ናጽነት ዝምልከት ሕግታት እኳ እንተሃለዋ፣ መንግስቲ ሃይማኖታዊ ትካላት የዕንዩ ናይ እምነት መሰል ዜጋታት ይህግስ ከምዘሎ ኣተሓሳሲቡ።
ኣብ ኤርትራ ልዕሊ 500 ዝግመቱ መእመናን ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ከይተኸሰሱን ኣብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡን ተኣሲሮም ኣለዉ።
ካልኦት ብኣማኢት ዝቑጸሩ ድማ ብክሕደት ሃገር ዝብል ምስምስ ተኣሲሮም ከምዘለዉ ይፍለጥ።
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት (UNHRC) ብዘካየዶ ጻዕሪ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ መጋቢት 2023 ትሽዓተ እሱራት ምፍታሑ ይዝከር።
ምክትል ኣቦ መንበር USCIRF ፍረደሪክ ኤ ዳቪ፣ “ኩነታት ሃይማኖታዊ ናጽነት ኤርትራ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ኮይኑ ይቕጽል ኣሎ” ድሕሪ ምባል ” ዝሓለፈ ዓመት ሰበስልጣን ኤርትራ ንገለ ካብቶም ብሰንኪ እምነቶም ዝተኣስሩ ክፈትሑ ምስ ጀመሩ ተስፋ ነይርዎ፣ እቲ ዘሕዝን ግን ንውሑዳት እሱራት ጥራይ’ዩ ነይሩ” ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።
===========================
COMMENTS