‘ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝካየድ ዘሎ ወትሃደራዊ ወፍሪ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ’ዩ’

RADIO ERENA – Thursday, 16 May 2024

ኣመሪካ፡ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ወፍሪ፡ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝዓበየ ምዃኑ ኣንፊታ።

እታ ሃገር ናብ ቀይሕ ባሕሪ ኣዋፊራተን ዘላ ብዝሒ መራኽብ ኵናት ይኹን ስርሒታተን ምስ ናይቲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ስጉምቲ ከምዝመሳሰል፡ ንቤት ጽሕፈት ሓለቓ ስታፍ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ብምጥቃስ ዋሽንግተን ታይምስ ሓቢራ።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ፣ ኣመሪካ እትመርሖ ዘላ ሓለዋ ብልጽግናዝተሰምየ፣ ሓይልታት ባሕሪ ብሪጣንያን ካልኦት ሃገራትን ዝተጸንበርኦ ወትሃደራዊ ወፍሪ ይካየድ ምህላዉ ይፍለጥ።

ሓይልታትና ኣብዚ እዋንዚ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ንጡፍ ወፍሪ ዮም ዘለዉ ዝበለ ሓለቓ ስታፍ ስርሒታት ሓይሊ ባሕሪ ኣመሪካ፣ ሪር ኣድሚራል ፍረድ ፓይል፣ ንዝኾነ ዝወሃብ ህጹጽ ትእዛዝ ድልዋት ምዃኖም ኣስሚርሉ።

ዕላማ እቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ጭፍራ መራኽብ ኵናት ዝሓቖፈ፣ ወትሃደራዊ ሓይሊ፣ በቲ ክሊ ማይ ንዝመላለሳ ናይ ንግዲ መራኽብ፣ ሑቲ ናይ የመን ካብ ዘካይዶ መጥቃዕታት ንምክልኻል ዝዓለም ምዃኑዩ ዝግለጽ።

ፈረንሳን ጀርመንን ዝርከብአ ሃገራትውን ብሕብረት ኤውሮጳ ንዝተበገሰ ካልእ ወፍሪ መሪሐ ናይ ኵናት መራኽበን ኣዋፊረን እኳ እንተነበረ፣ ኣብዚ እዋንዚ ንገለ ክፋሉ ስሒበንኦ ይርከባ።

ኣመሪካ፣ ነቲ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ተዋፊሩ ዘሎ ጭፍራ መራኽብ ኵናት እትመርሕ፣ 10ታት ነፈርቲ ኵናትን ሄሊኮፕተራትን እትስከምን ኑክሌር ዝርከቦ ዝተራቐቐ ኣጽዋርን ሚሳይላትን ዝዓጠቐትን፣ USS Dwight D. Eisenhower ዝተባህለት ካብ ዓርሞሽሽ መራኽባ ናብዚ ክሊ ማይ ልኢኻታ ምህላዋ ዝሓለፈ ሰሙን ኣፍሊጣያ።

ዕጡቓት ሑቲ ናይ የመን፣ እስራኤል ኣብ ቓዛ እተካይዶ ዘላ ወትሃደራዊ ስርሒት ደው ከየበለት፣ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ደገፍታ ናይ ዝኾና ሃገራት ምጥቃዕ ክቕጽልዎ ምዃኖም ዮም ዘጠንቅቑ።

ካብ ሕዳር 2023 ኣትሕዙ ብውሕዱ 53 መራኽብ ካብ ሑቲ ብዝተወንጨፈ ሚሳይላትን ድሮናትን ከቢድን ፎኩኢስን መጥቃዕታት ክወርደን እንከሎ፣ ንሓንቲ ድማ ጅሆ ከምዝሓዙ ዝተፈላለዩ ጸብጻባት ይጠቕሱ።

ብዘይካዚ ኣብ ልዕሊ 100 ዝኾና ካልኦት መራኽብውን ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ፈተነ መጥቃዕቲ ከምዝተኻየደለን፣ ኣብ ጸጥታ ባሕሪን ድሕነት መራኽብ ብምትኳር ሓበሬታ ዝእክባ ትካላት የመልክታ።

እዚ ከምዚሉ እንከሎ፣ ኣብ ክሊ ማይ ሶማል፣ ሓንቲ ናይ ንግዲ መርከብ ክጨውዩ ዝፈተኑ ሽዱሽተ ዕጡቓት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።

እቶም ዕጡቓት፣ ናብታ መርከብ ንምድያብ ኣብ ዝፈተንሉ፣ ብኣባላት ሓለዋታ መርከብ ከምዝተዓግቱን ዝሓበረ መረበብ ዜና በይርድ ማሪታይም፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ተዋፊራ ካብ ዝነበረት ናይ ሕብረት ኤውሮጳ ናይ ኵናት መርከብ ቅልጡፍ ሓገዝ ከምዝሃበቶም ጠቒሱ።

እቶም ብንእሽቶ ጃልባ ዝመጽኡ ዕጡቓት፣ ብኡ ንብኡ ኢዶም ሂቦም፣ ከምዝተታሕዙውን እቲ ኣብ ድሕነት መራኽብ ዘተኩር መርበብ ኣፍሊጡ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0