ሽወደን፣ ንደቂንስትዮ ዝበለጸት ሃገር

RADIO ERENA – Wednesday, 15 May 2024

ሽወደን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤክስ፣ ብዓለማዊ ስታቲስቲክስ ንደቂ ኣንስትዮ ዝበለጸት ሃገር ተባሂላ።

ኣብ ዝርዝር ብሉጻት ሃገራት ንደቂ ኣንስትዮ ዝነብራ ሃገራት ኖርወይ፣ዴንማርክን ሆላንድን ብቐደም ተኸተል ንሽወደን ስዒበን ቀዳሞት ዝበለጻ ሃገራት ንደቂንስትዮ ተባሂለን ተዘርዚረን ኣለዋ

እዚ ውጽኢት ብመሰረት ኣብ 2023ዝተገብረ መጽናዕቲ እዩ ተረኺቡ።

እቲ ዝተገብረ መጽናዕቲ ካብ 9,000 ደቂ ኣንስትዮ ብዝተዋህበ መልስታት ምርኩስ ዝገበረ ኮይኑ፣ ደረጃታት ጾታዊ ማዕርነት ሃገራት ይመዝን።

እተን ኣብቲ መጽናዕቲ ዝተሳተፋ ደቂንስትዮ ብዛዕባ ኣታዊታተን፣ ሞያ፣ ድሕነትን ሕጋዊ መሰላት ደቂንስትዮ ኣብ ሃገረንን ከም ኡውን ኣብ ልዕሊ ደቂንስትዮ ዝፍጸም ዓመጽ ተሓቲተን።

ኣብ ሽወደን 91,7 ሚእታዊት ሕጋዊ ቅርጽታት ጾታዊ ማዕርነት ከምዘስፋሕፍሑን ከምዝከታተሉን ይፍለጥ።

ናይ ደሞዝ ክፍተት ክህሉ እንከሎ፣ ኣብ ሽወደን ሓንቲ ማእከላይ ኣታዊ ዘለዋ ጓልንስተይቲ ካብ ወርሓዊ ደሞዝ ወዲ ተባዕታይ ኣስታት 87 ሚእታዊት ከም እትረክብ ይግመት፣እዚ ድማ ልዕሊ ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን’ዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0