ጂቡቲ፣ ኣህጉራዊ ወፍሪ ንምዕባይ ዝዓለመ ዋዕላ ተኻይዱ

RADIO ERENA – Tuesday, 14 May 2024

ኣብ ጂቡቲ፣ ኣህጉራዊ ወፍሪ ንምዕባይ ዝዓለመ ዋዕላ ካብ 12 ክሳብ 14 ግንቦት ተኻይዱ።

እቲ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዓደሙ ኣውፈርቲ፣ ነጋዲ፣ ፖለቲከኛታት፣ ክኢላታት ስነ ቁጠባን ሓገግቲ ኣካላትን ዝተጋብእሉ ዋዕላ፣ ጂቡቲ ዘለዋ ናይ ወደብ ኣገልግሎታት፣ ንኻልእ ናይ ወፍሪ ዕድላት ከስፍሕ ኣብ ዘሎ ተኽእሎ ንምምይያጥ ዝዓለመዩ።

ኣብ ስትራቴጅያዊ ኣፍደገ ቀይሕ ባሕሪ እትርከብ ጂቡቲ፣ ወደባታ ከም ማእከል መሰጋገሪ ንግዲ ንማእከላይ ኣፍሪቃ ክትጥቐመሉያ ትሕልን።

እታ ሃገር፣ ናጻ ናይ ንግዲ ዞባ ብምምስራት፣ ወደብ ኣልባ ዝኾና ኣብ ማእከላይ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ንምስሓብ ጻውዕርታት ኣብ ምክያድ ትርከብ።

ጂቡቲ፣ ኣብዚ እዋንዚ ዝበጽሐ ናይ ንግዳዊ ናይ ወደብ ኣገልግሎታ ናብ ኢትዮጵያ ዝቐንዐዩ።

ኣብ ርእሲዚ፣ ከም ኣመሪካ፣ ፈረንሳ፣ ቻይና፣ ጃፓንን ካልኦትን ዝኣመሰላ ዓበይቲ ሃገራት፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ ጂቡቲ ወትሃደራዊ መዓስከራት ብምኽፋት፣ ኣብ ምሕላው መራኽበን ኣብ ቀይሕ ባሕሪን ካልእ ሎጂስቲካዊ መሳለጥያታትን ይጥቐማላየን።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0