ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ ዳግመ ምውዳበ የካይዱ ምህላዎም ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Tuesday, 14 May 2024

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርከቡ ኤርትራውያን ደለይቲ ለውጢ፣ ዳግመ ውዳበ የካይዱ ምህላዉ ተሓቢሩ።

መርበብ ሓበሬታ ማእከል ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ፣ ብ13 ግንቦት ብዘቕረቦ ጸብጻብ መሰረት፣ ኤርትራውያን ብዘካየድዎ ዳግመ ውደባ፣ ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃዝብል ሓድሽ ጥርናፈ ኣቝሞም ኣለዉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ሓያሎ ውዳበን ጽልዋን ዝነበሮ ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ ከምዝነበረ ይዝከር።

እንተኾነ፣ በብዝተፈላለየ ምኽንያታት እናተዳኽመ ክኸይድዩ ጸኒሑ።

እዚ ሕጂ ቆይሙ ዘሎ ጽላል ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃንኹሎም እቶም ኣብታ ሃገር ዝርከብይ ለውጢ ዝጠልቡ ኤርትራውያን ክሓቝፍውን ተስፋ ይንበረሉ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ካብ 5 ሽሕ ካብ 10 ሽሕ ዝብዝሖም ኤርትራውያን ከምዘለዉ ማእከል ጋዜጠኛታት ኣፍሪቃ ይጠቕስ።

================

 

COMMENTS

WORDPRESS: 0