ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብዝፍጸም ዘሎ መጥቃዕታት፣ ጻዕቂ ናይ ካርጎ መራኽብ ኣብ መትረብ ስዌጽ ብ66% ከምዝጎደለ ተሓቢሩ

RADIO ERENA – Thursday, 02 May 2024

ሑቲ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ብሰንኪ ዝፍጽሞ ዘሎ መጥቃዕታት፣ ኣብ መትረብ ስዌጽ ዘጋጥም ዝነበረ ጻዕቂ ናይ ካርጎ መራኽብ ብ66% ከምዝግደለ ንሰበ ስልጣን ሃገራዊ ቤት ጽሕፈት ምእካብ ሓበሬታ ብሪጣንያ ብምጥቃስ ማዕከን ዜና ስካይ ኒውስ ሓቢሩ።

እቲ ቤት ጽሕፈት፣ ካብ ታሕሳስ 2023 ክሳብ ሚያዝያ 2024 ኣብ ዝነበረ ኣዋርሕ፡ ዝኣከቦ ሓበሬታ ከምዘነጽሮ፣ ካብን ናብን ሃገራት ኤስያን ኤውሮጳን ኣመሪካን ዝመላለሳ ናይ ካርጎ መራኽብ፣ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ መጥቃዕቲ ከየጋጥም ብምስጋእ፣ ጉዕዝኦን ብደቡብ ኣፍሪቃ ይቕይራ ኣለዋ።

ኣብ ጸጥታ ባሕሪን ድሕነት መራኽብን ዘተኮራ ኣህጉራውያን ትካላት፣ ናይ ንግዲ መራኽብ ብቀይሕ ባሕሪ ካብ ምምልላስ ከወግዳ ወይ ድማ ልዑል ጥንቃቐታት ክገብራ የን ዝምሕጸና።

ሃገራት ኤውሮጳ፣ ኣብቲ ክሊ ማይ ዘካየዶ ናይ ኣዋርሕ ወፍሪ ከይተዓወተ፣ ናይ ኵናት መራኽበን ይስሕባ ምስ ምህላወን፣ ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ናብ ንቡር ክምለስ ከምዘይክእልዩ ዝትንተን።

ኣመሪካን ብሪጣንያን፣ ብልፍንቲ ዘካይድኦ ዘለዋ ደብዳባት፣ ሑቲ ብቀይሕ ባሕሪ ንዝመላለሳ መራኽብ ካብ ምጥቃዕ ክገትኦ ኣይከኣለን።

ኣብዘን ዝሓለፋ ሒደት ኣዋርሕ፣ ሑቲ ናብ ልዕሊ100 መራኽብ ሚሳይላትን ድሮናትን ከምዝወንጨፈዩ ዝሕብር።

ናይ ንግዲ መራኽብ፡ ብደቡብ ኣፍሪቃ ተዃሊለን ዘካይድኦ ዘለዋ ምምልላስ፣ ተወሳኺ 14 መዓልታት ኣብ ልዕሊ ምጥላቡ፣ ኣብ ኢንሹራንስ ወይ ድሕነትን ወሰኽ ጠለብ ነዳዲን ከዘያድ የግድድ ምህላዉዩ ዝምልከት።

ጸጥታ ቀይሕ ባሕሪ ክውሕስ እንተዘይክእሉ፣ ኣብ ዕዳጋ ዓለም ተወሳኺ ጸቕጢን ዘይምርግጋእን ከኸትል ከምዝኽእል ይትንተን።

ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣብዚ እዋንዚ መዓልታዊ ኣስታት 40 ኮንተይነር ዝጸዓና መራኽብ መዓልታዊ ይመላለሳ ምህልዋወን ዝጠቕሰ ኢንስቲትዩኢት ፎር ዘ ዎርልድ ኢኮኖሚ ብውገኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፣ እቲ ብዝሒ ክሳብ 100 መራኽብ ንመዓልቲ ምንባሩ ኣስሚርሉ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0