ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ

    ሰንበት 27 ጥሪ ኣብ ዝጅምር ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ ከምዘላ ምንጭታት ሬድዮ ኤረና ሓቢሮም።
    
    ዛጊት ተረጋጊጹ ብዘሎ ሓበሬታ ኣስታት 40 ዝኾኑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብዚ ዓመታዊ ዝካየድ ዋዕላ እቲ ሕብረት ክሳተፉ ምዃኑ ክረጋገጽ እንከሎ፣ ምምስራት 50 ዓመት ሕብረት ኣፍሪቃ’ውን ጎኑ ጎኑ ክጽምብሉ’ዮም።

    ኣቶ ሃይለማርያም ደሳለኝ ዝምራሕ መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ድሕሪ ሞት ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር መለስ ዜናዊ ንመጀመርያ እዋኑ ኣብ ዘእንግዶ ዘሎ ኣኼባ እቲ ሕብረት፣ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፍርቲ ቦሌ ናብ  ዘራኽብ ዓበይቲ ጎደናን ብጽኑዕ ክሕሎ እንከሎ፣ ቤት ጽሕፈት እቲ ቀጽሪ ዝርከበሉ ከባቢ ድማ ድሮ ካብ ምንቅስቓስ ኣጋርን መካይን ተከልኪሉ ምህላዉ እቲ ዝተላእከልና ሓበሬታ የረድእ።

    ኣብ 2011 ኣብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት፣ ብመንግስቲ ኤርትራ ዝተላእኩ ዕጡቓት ኣብ ቀጽሪ’ቲ ቤት ጽሕፈት መጥቓዕቲ ንምክያድ ወጢኖም ክትብል ኢትዮጵያ ድሕሪ ዘቕረበቶ ክሲ፣ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከምዘረጋገጾ ኣብቲ ናይቲ ዓመት እቲ ጸብጻብ ተገሊጹ ይርከብ።

    ይኹን’ምበር ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ንዘለዋ ወትሃደራዊ ህላወን፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ብኣሚሶም ዝፍለጥ ሰራዊት ናብ ሶማል ብምውፋሩን፣ ኣልሸባብ ዝርከቦም ዝተፈላለዩ ዕጡቓት ሶማል’ውን መጥቃዕቲ ከየካይዱ ስግኣት ስለዘሎ’ዩ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጽኑዕ ሓለዋ እትርከብ።

    ብዘይካ ኣልሸባብን ካልኦት ኣንጻር መንግስቲ ኢትዮጵያን ሕብረት ኣፍሪቃን ቁጥዐኦም ንምግላጽ ዝሕንሕኑ ዕጡቓት ሶማልን፣ ተቓወምቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኾኑ ዕጡቓት ኦጋዴንን ኦሮሞን’ውን ኣብቲ ናይ ስግኣት ዝርዝር ምህላዎም’ዩ ዝሕበር።
እቲ እናዓበየን ዝያዳ ውዳበ እናጥረየን ዝመጽእ ዘሎ ምሉእ ድጋፍ መንግስቲ ኤርትራ ዘለዎን ደሞክራስያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ ደምህት ዝያዳ ሓያሉ ኣብ ክልል ትግራይ ደኣ ይኹን’ምበር መሓውሩ ብምንዋሕ ክሳብ ኣዲስ ኣበባ ስግኣት ክፈጥር ከምዝክእል’ውን ስለያዊ መሓውር እታ ሃገር የጠንቕቑ

    መበል 50 ዓመት ጽምብል ምምስራት ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ 27 ጥሪ ጀሚሩ ክሳብ 26 ግንቦት ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ክቕጽል’ዩ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0