Radio Erena: Thursday 07 December 2023
ንሰላም፡ ጸጥታን ምርግጋእን ሱዳን ኣብ ምድኻም ሰሪሖም ብዝብል ክሲ`ዮም ድማ ተኣጊዶም። እቶም ሰበስልጣናት ነበር ጣሃ ዑስማን ኣሕመድ ኣል ሑሴን (ታሃ)፣ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢን ዳይረክተር ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽር፣ ሳላሕ ዓብደላ መሓመድ ሳላሕ (ሳላሕ ጎሽ)፣ መሓመድ ኤታ ኤልሙላ ዓባስ (ኤልሙላ) እዮም።
ጎሽን ኤልሙላን ኣብ ትሕቲ ስርዓት ኣልበሽር ዳይረክተራት ሃገራዊ ኣገልግሎት ስለያን ጸጥታን ዝነበሩ`ዮም።
ኣልሑሴን ምስ ዞባዊ ሓይልታት ብምውህሃድ ነቲ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰስ ፈጣን ሓይልታት ብምድጋፍ፣ ሳላሕ ጎሽ ነቲ ብሲቪል ዝምራሕ ዝነበረ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምውዳቕ ብዝገበሮ ውዲት፡ ኤልሙላ ድማ ንስርዓት ኣልበሽር ናብ ስልጣን ንምምላስ ይሰርሕ ነይሩ ብዝብል ክሲ እዮም ተኣጊዶም።
ምክትል ጸሓፊ ግብረሽበራን ፋይናንሳዊ ስለያን ብራያን ኢ.ኔልሰን “ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ እቶም ሱዳን ናብ ዲሞክራስያዊ መጻኢ ከይትሰጋገር ዝዕንቅፉ ስጉምቲ ክትወስድ`ያ።” ክብል ገሊጹ።
ከም ውጽኢት ናይቲ እገዳ፣ ኣብ ኣመሪካን ኣመሪካ ኣብ እትቆጻጸሮን ዝርከብ ውልቃቂ ሃብትን ንብረትን እዞም ሰበስልጣናት ክድስክልዩ።
ዕንወትን ቅልውላውን ሱዳን ኣብ ኩናት ተጸሚዶም ዘለዉ ዘይሓላፍነታውያን ጀነራላት ዘኸተልዎ’ኳ እንተኾነ ማሕበረሰ ዓለም ክከላኸሎ ዘይምኽኣሉ ግን ውድቀት ሰብኣውነት ምኳኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ይዛረቡ።
================
COMMENTS