ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ኣጽዋር እትሽምት ሃገር’ያ ተባሂላ

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ኣጽዋር እትሽምት ሃገር’ያ ተባሂላ

Radio Erena: 10 March 2015

SaudiArm

ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ኣጽዋር እትሽምት ዘላ ሃገር ምዃና ተገሊጹ።

እዚ ትማሊ ዝተዘርግሐ ሓድሽ ኣህጉራዊ መጽናዕቲ ዘቕረቦ ጸብጻብ፣ ብደረጃ ዓለም 64.4 ቢልዮን ዶላር ናብ ሸመተ ኣጽዋር ከምዝባኸነ ብምጥቃስ፣ እቲ ናይ ኣስታት 7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ሸመተ ካብ ስዑዲ ዓረብ ጥራይ ከምዝነበረ ኣመልኪቱ።

 

እታ ኣብ ቀይሕ ባሕርን ወሽመት ሃገራት ዓረብን እትርከብ ስዑዲ፣ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ የመንን ሶርያን ብሰንኪ ዝርአ ኩነታት፣ ብዝሒ ናይ እትሽምቶ ኣጽዋር ናብ ኣስታት 10 ቢልዮን ዶላር ክብ ኣቢላቶ ምህላዋ’ውን እቲ ጸብጻብ ሓቢሩ።

ብደረጃ ዓለም እታ ዝበዝሐ ኣጽዋር እትሽምት ሃገር ህንዲ ምንባራ’ያ ዝፍለጥ።

በዚ ሓድሽ መጽናዕቲ መሰረት ግና፣ ስዑዲ ዓረብ ንህንዲ ብምትካእ ኣብ ዓለም እታ ዝበዝሐ ኣጽዋር እትሽምት ሃገር ኮይና ኣላ።

እታ ሃገር እትሽምቶ ኣጽዋር ገሊኡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ንዘለዉ ዕጡቓት ከምእትልግሶ’ውን ይጥቐስ።

ኣጽዋር ብምሽማት ስዑዲ ዓረብ ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ እንከላ ብመሸጣ ኣጽዋር ድማ መሪሕ ቦታ ሒዘላ ኣመሪካ’ያ።

ንኣመሪካ ተኸቲለን፣ ሩስያ፣ ፈረንሳ፣ ብሪጣንያን ጀርመንን ድማ እተን ዝበዝሐ ኣጽዋር ዝሸጣ ሃገራት ዓለም ተባሂላን ብቅደም ተኸተል ክሳብ ሓሙሻይ ደረጃ ተሰሪዐን ኣለዋ።

ብኣህጉራዊ ደረጃ ድማ እቲ ዝበዝሐ ኣጽዋር ዝሽምት ዞባ ማእከላይ ምብራቕ ክኸውን እንከሎ፣ እቲ ዝበዝሐ ኣጽዋር ዝሸይጥ ዞባ ድማ ኤውሮጳ’ዩ።

እዚ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ሸመተ ኣጽዋር እተባኽኖ ብዝሒ ገንዘብ፣ ናይ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ብድምር ሓፈሻዊ ዓመታዊ እቶተን’ዩ።

===========================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0