ጆርጅ ዊሃ ተሳዒሩ: ‘ካብ ውልቃዊ ድሌት ጥቕሚ ሃገር ይቕድም’ ኢሉ

Radio Erena: Monday, 20 November 2023

ኣብ 1995 ዝበለጸ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ዓለም ተባሂሉ ወርቃዊት ኩዑሶ (Ballon d’Or) ዝተሸለመ ላይበርያዊ ጆርጅ ዊሃ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ተሳዒሩ::

ጆርጅ ዊሃ ካብ ኩዑሶ እግሪ ድሕሪ ምስንባቱ ኣብ ፖለቲካ ላይበርያ ክነጥፍ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2018 ፕረዚደንት ሃገሩ ኮይኑ ተመሪጹ ንሓሙሽተ ዓመት ከገልግል ድሕሪ ምጽናሕ ንካልኣይ እብሪ ኣብ ዝተወዳደረሉ እዩ ብመቐናቕንቱ ጅሴፍ ባካይ ተሳዒሩ ዘሎ::

ጆርጅ ዊሃ 51 ብ49 ሚእታዊት ድምጺ ብጸቢብ ተሳዓሪ ድሕሪ ምኳኑ ኣብ ክንዲ ምጭቕጫቕ ተሳዓርነቱ ብምእማን ‘ካብ ውልቃዊ ድሌት ጥቕሚ ሃገር ይቕድም’ ብምባል ንመቐናቕንቱ ናይ እንኳዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ሰዲድሉ::

ጆርጅ ዊሃ ፕረዚደንት ኮይኑ ኣብ ዝመርሓሉ ኣብ ትምህርቲ ብሉጽ ውጽኢት’ኳ እንተመዝገበ ኣብ ምሕዋይን ምዕባይን ቁጠባ ሃገር ግን ኣዕናዊ ፖሊሲ ብምሕንጻጹ ካብ ህዝቢ ተጻብኦታት ክገጥሞ ጸኒሑ::

ዊሃ ተጻዋታይ ኩዑሶ እግሪ ኣብ ዝነበረሉ ምስ ዓበይቲ ክለባት ኤሲ ሚላን: ቸልሲ: ፖሪስ ሴን ጀረሜንን ካልኦትን ከምኡ’ውን ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብምጽዋት ህቡብነት ዘጥረየ ፖለቲከኛ ዝተቐየረ ስፖርተኛ እዩ::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0