‘ካቴድራል ኣስመራ’ መበል 100 ዓመት ትጽንብል

Radio Erena: Monday, 20 November 2023

 

ካቴድራል ብዝብል ስም እትፍለጥ ‘ቤተ-ክርስትያን እመቤት ሮዛሪ’ ኣስመራ ተሰሪሓ ኣገልግሎት ክትህብ ናይ ዝጀመረትሉ መበል 100 ዓመት ዝኽሪ ኣብ ምጽንባል ትርከብ::

ከተማ ኣስመራ ወግዓዊት ርእሰ-ከተማ ግዝኣት ኢጣልያ ኤርትራ ድሕሪ ምኳና ‘ካቴድራል’ ንኣገልግሎት ‘ሃዋርያዊ ቁምስና ካቶሊክ’ ተባሂላ ኣብ 1920 ክትስራሕ እምነመሰረት ድሕሪ ምንባር ድሕሪ 3 ዓመት ህንጸት ኣብ 1923 ተዛዚማ::

እዛ ጽባቐ ከተማ ኣስመራ ዝኾነት ቤተ-ክርስትያን ብቕዲ ኣሰራርሓ ‘ሮማዊ ላምባሪ’ ዝተሃንጸት ኮይና: ብዘይካ ኣገልግሎት ቤተ-ክርስትያን ከም ቁምስናን መንበርን ዝተፈላለያ ካቶሊካውያን ማሕበራት: ሃይማኖታዊ ቤት ትምህርቲ: ቤት ማሕተምን ካልእን ኣገልግሎት ትህብ እያ::

‘ካቴድራል ኣስመራ’ ኢጣልያውያን ተቐማጦ ኤርትራ ንምግልጋል ብመንግስቲ ኢጣልያ ዝተሰርሐት እያ::

ኣብቲ ካቴድራል ዘሎ ናይ ቃጭል ዓንዲ ቁሞቱ 52 ሜትሮ ክኸውን እንከሎ: እቲ ዓንዲ ድሒሩ ኣብ 1925 እዩ ተዛዚሙ::

‘ካቴድራል ኣስመራ’ እትርከቦ ሓያሎ ክፋል ከተማ ኣስመራ ብትምህርቲ: ስነ-ፍልጠትን ባህልን ውድብ ሕቡራት ሃገራት (UNESCO) ኣፍልጦ ተዋሂብዎ ውርሻ ማሕበረሰብ ዓለም ተሰይሙ እዩ::

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0