‘ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት ተነጽሎ ይገጥሞም’ ጋዜጠኛ ፋትሒ ዑስማን

Radio Erena: Monday, 13 November 2023

ፋትሒ ዑስማን ኤርትራዊ ጋዜጠኛን ዲፕሎማትን ኔሩ: ኣብ ዓውዲ ዲፕሎማሲ ዝለዓለ ትምህርቲ ድሕሪ ምቕሳሙ ድሕሪ ናጽነት ናብ ሃገሩ ኤርትራ ብምእታው መጀመርታ ጋዜጡኛ ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ድሒሩ ድማ ከም ዲፕሎማት ኣብ ኤምባሲታት ኤርትራ ኣገልጊሉ::

ፋትሒ ዑስማን ኣብ ኤርትራ ድሕሪ ዝነበረ ምእሳር ጋዜጠኛታትን ዲፕሎማሰኛታትን ካብ 2012 ኣትሒዙ ኣብ ሃገረ ፈረንሳ ዑቕባ ብምሕታት ይነብር ኣሎ::

ንሱ ኣብ ራድዮ ኤረና ዳይረክተር ፈነወ ቋንቋ ዓረብ ኮይኑ ዝሰርሐ ኮይኑ ከም ነጻ ጋዜጠኛን ጸሓፋይን’ውን ንዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይጽሕፍ እዩ::

ፋትሒ ዑስማን ኣብ ብዓለምለኻዊ ማሕበር ጋዜጠኛታት እትውነን መጺሄት ‘ጆርናሊስት'(Journalist) ኣብ ዝጸሓፎ ጽሑፍ ‘ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ኣብ ስደት ተነጽሎ ከምዝገጥሞምን ማዕረ ናይ ካልኦት ሃገራት ከምዘይረኣዩን’ ገሊጹ::

ፋትሒ: ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ካብ ኣብ ሃገራቶም ዘጋጥሞም ተጻብኦታት ኣምሊጦም ኣብ ካልኦት ሃገራት ቑቕባ ምስ ዝሓቱ ከም ተራ ስደተኛታት ደኣ እንበር ከም ጋዜጠኛታት ተራእዮም ምክልኻል ከምዘይግበረሎም ኣረዲኡ::

ሰራዊት ኤርትራን ኢትዮጵያን ናብ ትግራይ ምስ ኣተዊ ንኣብነት ካብቶም ካብ መዓስከር ስደተኛታት ተጨውዮም ናብ ኤርትራ ዝተወስዱ ልዕሊ 80 ኤርትራውያን ሓያሎ ጋዜጠኛታት ከምዝነበሩ: እዞም ጋዜጠኛታት ዛጊት ኣበይ ኣትዮም ሀለዋቶም ከምዘይፍለጥ ገሊጹ::

ሓንቲ መንግስታዊ ጋዜጣ: ራድዮን ተሌቪዥንን ዝውንን መንግስቲ ኤርትራ ካብ ካብ መስከረም 2001 ጋዜጠኛታት ዝኣሰረን ዘሳደደን ክንሱ ንድሒሮም ካብታ ሃገር ዝወጹ ጋዜጠኛታ ዝተገብረ ኣተሓሕዛ ሻላ ኔሩ::

ኤርትራውያን ይኹኑ ካልኦት ኣፍሪቃውያን ዝያዳ ተጻብኦ: ማእሰርትን ጭውያን ዘጋጥሞም ክንሱ ልክዕ ከም ጋዜጠኛታት ሩስያ: ዩክሬናውያን: ሶርያውያን ከምዘይረኣዩ እዚ ድማ ኣብ ሓደጋ ከምዘእትዎም ፈትሒ የረድእ::

ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ወላ’ቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ዑቕባ ተዋሂብዎም ዝነብሩ ብቐሊሉ ናይ ጋዜጠኛነት ስራሕ ክረኽቡ ስለዘይክእሉ ናብ ካልእ ሞያ ስራሕ ክቕይሩ ከምዝግደዱ ሓቢሩ: እዚ ድማ ጋዜጠኛታት ኣብ ስርሖም ኣቶኪሮም ከይሰርሑ ዕንቅፋት ኮይኑ ኣሎ ክብል ፋትሒ ይገልጽ::

ዓመታዊ ኣብ ዝወጽእ ናጽነት ፕረስ ዝርዝር ሃገራት ‘ኣፍሪቃዊት ሰሜን ኮርያ’ ዝብል ቅጽል ስም ዝተዋህባ ኤርትራ ዝበዝሕ ግዜ ጭራ ወይ ደጋፊት ጭራ ብምኳን እያ ትዛዝሞ: እዚ ድማ ኣብዛ ሃገር ፍጹም ነጻነት ፕረስ ዘይምህላዉ ግምት ኣየድልዮን::

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0