ፊፋ፣ ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝዓለመ መደብ

Radio Erena: Friday, 10 November 2023

ፊፋ ምስ መሻርኽቱ ብምትሕብባር ሓድሽ ጻውዒት ፕሮጀክትታት ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ከምዘውጸአ ተገሊጹ።

ካብ ፊፋን GIZማለት ሚኒስትሪ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝን ልምዓትን ጀርመን ከምኡ’ውን ትካል ልምዓት ፈረንሳ (AFD) ብምትሕብባር ብስፖርት ኣቢሉ ደቂ ኣንስትዮ ንምሕያል ዝዓለመ መደብ ኣበጊሱ።

እዚ ፕሮጀክት እዚ ኣገዳስነት ኩዕሶ እግሪን ስፖርትን ብዘይካቲ ብሓፈሻ ኣብ ሕብረተሰብ ዝፈጥሮ ማሕበራዊ ምትእስሳርን ሓድነትን፣ጾታዊ ማዕርነት ደቂንስትዮ ንምሕያል ብዝያዳ ኣብ ስፖርት ምስታፍ ዝዓለመ መደብዩ።

ካብ 2 ሕዳር 2023 ጀሚሩ ድማ ካብ30 መሻርኽቲ ሃገራት GIZ ዝመጻ ትካላት ንድፊ ፕሮጀክት ከቕርባ ዘኽእል እዩ።

ቃልሲ ኣንጻር ጾታዊ ዘይምዕሩይነት፣ ቃልሲ ኣንጻር ጾታዊ ዓመጽ፣ ምሕያል ደቂ ኣንስትዮን ምሕያል ተራአንን ዝብሉ ዕላማታት ሒዞም ዝቐርቡ እማመታት ጥራይ እዮም ድማ ክምርመሩ።

“እዚ መደብ እዚ ንሓይሊ ለውጥን ማሕበራዊ ምትእስሳርን ስፖርት ብምጥቃም ኣብ ምሕያል መንእሰያት ደቂንስትዮን ኣበርክቶ ሓጋዚ እዩ። እዚ ድማ ጾታዊ ማዕርነት ንምርግጋጽን ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ሓላፍነት ንምሕያልን ዝዓለሙ እዮም” ክትብል ጀንስ ኤልስነር ካብ መደብ ስፖርት ንልምዓት ኣፍሊጣ።

ተሳትፎ ደቂ ኣንስትዮ ኣብ ስፖርት ካብ ግዜ ናብ ግዜ እኳ እናዓበየ እንተመጽ አ ከምቲ ዝግባእ ዘይምዃኑ ግና ይእመን።

መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ናይ ደቂ ተባዕትዮ ስፖርታዊ ግጥማት ክነጻጸር እንከሎ፣ መራኸቢ ብዙሃን ንናይ ደቂ ኣንስትዮ ስፖርታዊ ውድድራት እኹል ሽፋን ኣይህባን።

ሃገራዊት ጋንታ ደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ፣ ንማዕርነት ብዝገበረቶ ቃልሲ፣ ንደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ማዕረ ደሞዝ ክረኽቡ ዘረጋግጽ ስምምዕ ክትረክብ እንከላ፣ ብዙሓት ኣህጉራውያን ፈደረሽናት ንደቂ ኣንስትዮ ኣትሌታት ርትዓዊ ዝኾነ ደሞዝ ኣይከፍላን።

ኣብ ዓመተ 2023 ፊፋ ነቲ ዘሎ ፍልልይ ናይ ደሞዝ ንምዕጻው ዝዓለመ ስጉምቲ ብምውሳድ፡ ንዋንጫ ዓለም ደቂ ኣንስትዮ 2023 ዝኸውን ተወሳኺ ብ300% ከምዝወሰኸን ብድምር 135 ሚልዮን ዩሮ ከምዝበጽሐን ዝዝከርዩ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0