ኤርትራ ዝመበቆላ ሳራ ትንስኤው ባርካይ: ብዓይነታ ፍልይቲ ላምፓዲና ምሂዛ

Radio Erena: Monday, 30 October 2023

ሳራ ትንስኤው ባርካይ ዝተባህለት ኤርትራዊት ብሪጣንያዊት ብዘይ ባተሪ ከምኡ ውን ብዘይ ምንጪ ሓይሊ ኤሌክትሪክ እትሰርሕ ላምፖዲና ብምስናዕ ናብ ምርኢት ኣቕሪባ::

ኣብ ዩኒቨርስቲ ኦክስፎርድን ዩኒቨርስቲ ኮለጅ ለንደን – ብሪጣንያን፣ ምህንድስናን ኮምፕዩተር ሳይንስን ዝተማህረት ሳራ ባርካይ ዝሰንዓታ ላምፓዲና ብተምሳል ዲናሞ ብኢድ ኣዚርካ እትሰርሕ እያ::

መሃንዲስ ሳራ ነታ ዝሰንዓታ ላምፓዲና፣ 25- 26 ጥቅምቲ ኣብ ከተማ ጀኔቫ – ስዊዘርላንድ፣ ኣብ ዝተኻየደ ምርኢት ዓለምለኻዊ ተራድኦ ሰብኣውነት ኣቕሪባታ::

ሳራ ዝሰንዓታ ላምፓዲና ዝያዳ ንቆልዑ ብፍላይ ድማ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ንዝነብሩ እተገልግል ኮይና ብቐሊሉ እትገጣጠምን፣ እታ ላምፖዲና ብኸመይ ከም እትሰርሕ ክመራመሩ ኣብ ቆልዑ ህንጥዩነት እትፈጥርን’ያ ተባሂላ።

እታ ‘ኣንበሳ ፕለይ’ ዝተሰምየት ላምፖዲና፣ ኣብ ዓለምለኻዊ ተራድኦ ሰብኣውነት ጀኔቫ ክትቀርብ ዝተደልየሉ ኣውራ ምኽንያት፣ ምስ ናይ ተራድኦ ማሕበራት ንምልላያን ኣብ መላእ ዓለም ናብ ዝርከቡ ስደተኛታት ብፍላይ ቆልዑ ተዘርጊሓ ኣብ ጥቕሚ ክትውዕል ንምግባራን ምዃኑን’ያ መሃንድስ ሳራ ትገልጽ::

እታ ላምፓዲና፣ ንስደተኛታት ቆልዑ ብናጻ እትዕደል ኮይና ካልእ ሰብ ብግሉ ክዕድጋ ከምዝኽእልን፣ ሓደ ሰብ ሓንቲ እንተዓዲጉ ድማ ኣምሳያኡ ሓደ ስደተኛ ቆልዓ ሓንቲ ብናጻ ይወስድ::

ሳራ፣ ካብ ኤርትራውያን ስድራቤት ኣብ ከተማ ለንደን – ብሪጣንያ ‘ያ ተወሊዳ።

ስድራ ሳራ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኩናት ናብ ስደት ዘምርሑ እዮም::

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0