ጂቡቲን ሩስያን ኣብ መንጎአን ክህሉ ብዛዕባ ዝኽእል ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ዘትየን

Radio Erena: Wednesday, 16 August 2023

ሩስያ፣ ምስ ጁቡቲ ብዛዕባ ክህልዋ ዝኽእል ወትሃደራዊ ምትሕግጋዝ ብምትኳር ዘተ ከምዘካየደት ኣፍሊጣ።

ምክትል ሚኒስተር ሩስያ፣ ልዩተናትን ጀነራል ኣሌክሳንደር ፎሚን ምስ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት ጂቡቲ፣ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂም፣ ብ14 ነሓሰ፣ ኣብ ሞስኮ ተራኺቦም ከምዝዘተ’ዩ ኣገልግሎት ዜና ሩስያ፣ ታስ ሓቢሩ።

እቶም ላዕለዎት ወትሃደራውያን ኣዘዝቲ፣ ጎኒ ጎኒ ኣብ ከተማ ሞስኮ ዝተኻየደ፣ ኣህጉራዊ ቴክኒካዊ ወትሃደራዊ ፎሮም 2023 ተራኾቦም’ዮም ኣብ ክልተኣዊ ምትሕግጋዝ ዘትዮም።

ኣብ ዞባ ቀይሕ ባሕሪን ሃገራት ኣፍሪቃን ጽልዋታታ ንምዕባይ እትጽዕር ዘላ ሩስያ፣ ኣብ ዲፕሎማሲን፣ ፖለቲካን ወትሃደራዊ መዳንይ ዘተኮረ ዋዕላታት’ያ ትውድብ ዘላ።

ካብ 14 ክሳብ 20 ነሓሰ ዝካየድ ዘሎ ኣህጉራዊ ቴክኒካዊ ወትሃደራዊ ፎሮም 2023፣ ልዕሊ 1500 ወትሃደራውያን ኩባንያታትን 85 ናይ ወጻኢ ትካላትን ምርኢታተን የቕርባ ኣለዋ።

ዕላማ እዚ ፎሮሞ፣ ብቀንዱ ኣብ መሸጣ ኣጽዋር ዘተኮረ ምዃኑ ዝገልጹ ወትሃደራውያን ምንጭታት፣ ጎኑ ጎኑ ድማ ኣብ ምትሕግጋዝ ዘድሃበ ውዕላት ክኽተም ከምዝኽእል ይእምቱ።

======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0