ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብጀነራል ሐሚቲ ንዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ተዕጥቕ ኣላ ንዝብል ጸብጻብ ነጺጋ

Radio Erena: Tuesday, 15 August 2023

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ንዝምርሑ ፈጣን ሓይልታት ሱዳን ኣጽዋር ተዕጥቕ ኣላ ንዝብል ጸብጻብ ነጺጋ።

ብደረጃ ዓለም ልዑል ተነባብነት ዘለዋ ዎል ስትሪት ጆርናል ብ10 ነሓሰ ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፣ እታ ዓረባዊት ሃገር፣ ኣብቲ ካብ መፋርቕ ወርሒ ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝተወልዐ ኵናት ጣልቓ ብምእታው፣ ንፈጣን ሓይልታት ተዕጥቕ ምህላዋ ዝገልጽ ጸብጻብ’ያ ኣቕሪባ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ብወገኑ፣ እቲ ጸብጻብ ሓቕነት ከምዘይብሉ ብምጥቃስ፣ እታ ሃገር ኣብ ኵናት ሱዳን ንእትሕግዞ ወገን ከምዘይብላ ኣረዲኡ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፣ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ዘይሻራዊ መርገጺ’ዩ ዘለዋ ዝበለ እቲ መግለጺ፣ ግጭት ክልቲኦም ተጻረርቲ ሓይልታት ደው ክብልን ሓድነት ሱዳን ክዕቀብን ከም እትጣበቕ ኣነጺሩ።

ብጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝምራሕ ሰራዊት መንግስቲ፣ ሓደ ሓደ ሃገራት ንፈጣን ሓይልታት ይድግፋ ምህላወ ዝወቕስ እኳ እንተኾነ፣ ስም እተን ሃገራት ካብ ምርቛሕ ግና ተቖጢቡ ኣሎ።

ስእሊ፣- ካብ ኣርካይቭስ ኢንተርነት

===============================

COMMENTS

WORDPRESS: 0