Radio Erena: Thursday, 10 August 2023
ፈደረሽን ኣትለቲክስ ሶማል፣ ኣብ ቻይና ኣብ ዝተኻየደ ጸወታታት ዪኒቨርስታት ዓለም፣ ኣብ ናይ 100 ሜትሮ ቅድድም ጉያ እግሪ ክትሳተፍ ዝልኣኻ፣ ናስራ ኣቡበከር ዓሊ ዝተባህለት መንእሰይ፣ ንውድድራ ብልዕሊ 21 ሰኮንድ ምዝዛማ መዘራረቢ ማዕከናት ዜና ዓለም ኮይኑ።
ናስራ፣ ነቲ ብሓያል ናህሪ ዝካየድ ናይ ሓጺር ርሕቀት ቅድድም፣ ዘገም እናበለት፣ ካብታ ቀዳመይቲ ኮይና ዝተዓወተት፣ ብልዕሊ 10 ሰኮንድ ድሕሪ’ያ ናብ መስመር በጺሓ።
መንግስቲ ሶማል፣ ድሕሪ’ቲ መዛረቢ ማዕከናት ዜና ስፖርት ዝኾነ ፍጻሜ፣ ነቲ ጉዳይ ብምጽራይ፣ ንኣደ መንበር ፈደረሽን ኣትለቲክስ ሶማል፣ ከዲጃ ዓደን ዳሂር ካብ ስልጣና ሰጕጉዋ።
ሚኒስተሪ ስፖርት ብወገኑ ኣብ ዘካየዶ ምጽራይ፣ ፈደረሽን ኣትለቲካስ እታ ሃገር፣ ናይ ሓሶት መንነት ብምስናዕ ንናስራ ናብቲ ናይ ሓጺር ርሕቀት ፈጣን ቅድድም ክትወዳደር ከምዝልኣኻ ኣረጋጊጹ።
እቲ ሚኒስትሪ ብዘካየዶ ምጽራይ መሰረት፣ ናስራ፣ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ይኹን ቅድድም ጉያ እግሪ ይኹን ካልእ ዓይነት ስፖርት ተወዳዲራ ዘይትፈልጥ መንእሰይ’ያ።
ሚኒስተር ስፖርት፣ መሕእመድ ባረ ማሕሙድ፣ በቲ ዝተራእየ ዘሕንኽ ፍጻሜ፣ ንህዝቢ ሶማል ይቕሬታ እኳ እንተሓተተ፣ ነታ ስፖርታዊት ዘይኮነት መንእሰይ ናብቲ ኣጅህጉራዊ ቅድድም ንምልኣኽ ምስ ፈደረሽን ኣትለቲክስ ሶማል ዝነበረ ናይ ጉቦ ይኹን ካልእ ምትእስሳር ኣየንጸረን።
ኣብ ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ኮሚሽናት ስፖርትን ፈደረሽናትን፣ ምስ ጉቦን ካልእን ብዝተኣሳሰር፣ ንውድድር ዘይበቕዑ ዜጋታት ክልኣኩ ምርኣይ እዚ ናይ ሶማል ሓድሽ ክስተት ከምዘይኮነ’ዩ ዝግለጽ።
=====================
COMMENTS