ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን

Radio Erena: Thursday,27 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ ዓሌት ዝሰረቱ ግርጭት ኣብ በበይኑ ከባቢታት ኣብ ዝካየደሉ ዘሎ እዋን፣ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ፣ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ፈደራል መጥቃዕቲ ፈጺሞም ክብላ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ሰሜን ሸዋ ኣብ ዝርከብ ኣለም ከተማ ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፣ ኣባላት ሰራዊት ፈደራል ኣብ ሰዓታት ወጋሕታ ስፖርታዊ ልምምድ እንዳካየዱ እንከለዉ ዕጡቓት ሓይልታት ፋኖ ሓደጋ ከምዝወደቑዎም እዩ ዝግለጽ ዘሎ።

ኣብቲ ኣጋጣሚ፣ ቁጽሮም ብልክዕ ዘይተገልጸ ወተሃደራት ከምዝሞቱን ከምዝቖሰሉን ተሓቢሩ።

ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሩ ዝነበረ ሰራዊት ፈደራል፣ ነቶም መጥቃዕቲ ዝወረዶም ኣባላቱ ረዲኤት ንምሃብ፣ ምስ ሓይልታት ፋኖ ንነዊሕ ሰዓታት ዝጸንሐ ውግእ ከምዘካየደ ክግለጽ እንከሎ፣ ነቲ ፍጻሜ ብዝምልከት ግና ብመንግስቲ’ታ ሃገር ወግዓዊ መግለጺ ኣይተዋህበሉን።

ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሸዋ፣ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ሓይልታት ፋኖን ውግእ ክካየድ፣ ኣብቲ ዞባ ልሙድ ምዃኑ ዝገልጹ ነበርቲ’ቲ ከባቢ፣ ብ19 ሓምለ እውን ካብ ከተማ ጎንደር 30 ኪሎሜተር ርሒቑ ኣብ ዝርከብ ቦታ ብዝተኻየደ መጥቃዕቲ፣ ሰለስተ ኣባላት ፖሊስ፣ ሰለስተ ምልሻታትን ሽዱሽተ ወተሃደራትን ከምዝተቐትሉ ሓቢሮም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ህወሓት መስርሕ ሰላም ንምዕዋት ሓያል ጻዕሪ የካይድ ከምዘሎ ይገልጽ እኳ እንተኾነ፣ ኣብታ ሃገር ኣብ ከከባቢኡ ብብሄር ተወዲቦም ወተሃደራዊ ዕጥቅታት ሒዞም ዘለዉ ሓይልታት ግና፣ ገና ክቆጻጸሮም ከምዘይከኣለ’ዩ ዝግለጽ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0