መስርሕ ምእላይ ነዳዲ፣ ናይታ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ዝተበላሸወት መርከብ ከም ዝተጀመረ ተገሊጹ

Radio Erena: Thursday,27 July 2023

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ነዳዲ ከይተዙርቕ ተሰጊኣ ካብ ዝጸንሐት ዝተባላሸወት መርከብ፣ ጽዕነታ ክኣልይ ከምዝጀመረ ካብ የመን ዝተመሓላለፈ ዜና ኣመልኪቱ።

እቲ ውድብ፣ ኣብታ መርከብ ካብ ዝነበረ ዘይተጻረየ ነዳዲ፣ ናብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ቅድሚ ምዝራቑ ንኽኣልዮ ንዓመታት ጎስጓስ ከካይድ ምጽንሑ ዝፍለጥ’ዩ።

ኣብዚ ብሰሉስ 25 ሓምለ ዝጀመረ መስርሕ፣ ልዕሊ 1 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ካብታ መርከብ ክእለይ እዩ።

ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ የመን ዳቪድ ግሪዝሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፣ ‘ኣብ ዓለምና ሓደ ካብቲ ዝኸፈአ ምብካል ኣከባቢ ከስዕብ ካብ ዝኽእል ፍጻሜ ንምድሓን ሓያሎ ሃገራት ዓለም ብዝገበሮኦ ናይ 121 ሚልዮን ዶላር ፋይናንስያዊ ደገፍ፣ እቲ መስርሕ ምጉዕዓዝ ጀሚሩ’ሎ’ ክብል ሓቢሩ።

ካብ 2015 ዓመተ ምህረት ጀሚሩ ጽገና ከይተገብረላ ዝጸንሐ እታ ዝዓነወት መርከብ፣ ዝጸዓነቶ ነዳዲ ክዘሩቕ ምጅማሩ፣ ንኤርትራ ሓዊስካ ቀይሕ ባሕሪ ኣብ ዘዋስነን ሃገራት፣ ን25 ዓመታት ዝጸንሕ፣ ከቢድ ጥዕናዊን ቁጠባዊን ዕንወት ከውርድ ተኽእሎ ከምዝነበረ፣ ሕቡራት ሃገራት ብተደጋጋሚ ከጠንቅቕ ጸኒሑ’ዩ።

እቲ መስርሕ ምስግጋር ልዕሊ 1 ሚልዮን በርሚል ነዳዲ፣ ከባቢ 20 መዓልታት ክወስድ ምዃኑ፣ ክኢላታት’ቲ ዓውዲ ይገልጹ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0