ኬንያ፣ መራሕቲ ሃገራትን ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ኣብ ስልጣን እንከለዉ ብገበን ከይሕተቱ፣ ንዝከላኸል እማመ ፈሪማ

Radio Erena: Wednesday,26 July 2023

ሕብረት ኣፍሪቃ፣ መራሕቲ ሃገራትን ላዕለዎት ፖለቲከኛታትን ኣብ ስልጣን እንከለዉ፣ ብሕግታት ኣህጉራዊ ገበነኛታት ከይሕተቱን መርመራ ከይግበረሎምን ንዝከላኸል ሕጊ ክጸድቕ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ዘተ ከካይድ ጸኒሑ’ዩ።

በዚ መሰረት ብሰኑይ 24 ሓምለ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፣ ነዚ እማመ’ዚ ብምፍራም፣ መበል 23 ኣፍሪቃዊ መራሒ ኮይኑ’ሎ።

እቲ ፕረዚደንት ኣብ ዋዕላ ባይቶ ፓን ኣፍሪካ ኣብ ዝተሳተፈሉ እዋን’ዩ ነቲ እማመ ፈሪሙሉ።

መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብኣህጉራዊ ገበናትን ገበናት ኲናትን ተኸሲሶም ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ መታን፣ ኣብ ዝተረኸብዎ ተታሒዞም ኣብ ቀይዲ ክኣትዉ፣ ተባሂሉ ዝሓልፍ ውሳኔታት፣ ‘ፖለቲካዊ ድርኺት ኣለዎ፣ ናብ ኣፍሪቃውያን ጥራይ ዝዓለመ’ዩ’ ብምባል፣ ሕብረት ኣፍሪቃ ክነጽጎ እዩ ጸኒሑ።

እቲ ‘ጉዳይ ኣፍሪቃ፣ ብኣፍሪቃውያን’ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ኣብ ወርሒ ሰነ ናይ 2014 ዝቐረበ እማመ፣ ብማላቦ ፕሮቶኮል (malabo protocol) ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ሃገራት ኣፍሪቃ፣ ብኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ንዝተኸሰሰ መራሒ ናብ ሃገረን ኣብ ዝኣትወሉ፣ ምሉእ ውሕስነት ክህባ ዝጠልብ እዩ።

ዛጊት 23 ሃገራት ኣፍሪቃ ነቲ እማመ ክፍርማሉ እንከለዋ፣ 16 ካብኣተን ከኣ ድሮ ኣጽዲቐናኦ ኣለዋ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0