ሰለስተ ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ፣ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ገበናት ፈጺሞም ኣብ ልዕሊ ዝበሉዎም ሰበስልጣናት ማዕቀብ ክግበር፣ ጸዊዖም

Radio Erena: Wednesday,26 July 2023

እቶም ኣባላት ኮንግረስ ብዕለት 20 ሓምለ ናብ ጸሓፊ ጉዳያት ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ዝለኣኹዎ ደብዳቤ፣ ኣብ ልዕሊ ኮሎኔል ደመቀ ዘውዱን በላይ ኣያለውን ዝተባህሉ ሰበስልጣናት ናይ ጉዕዞን ምንቅስቓስ ንብረትን ማዕቀብ ክግበረሎም እዮም ጸዊዖም።

ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ትግራይ፣ ዓሌት ተኮር ማእሰርትን ምስቓይን ተኻዪዱ ንዝብል፣ ብህዩማን ራይትስ ዎች ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዘውጸኦ ጸብጻብ ምርኩስ ብምግባር ጥርዓኖም ዘቕርቡ ዘለዉ እዞም ኣባላት ኮንግረስ፣ ብራድ ሸርማን፣ ጀምስ ማክጋቨርን ከምኡ’ውን ሎይድ ዶገት ዝተባህሉ ኮይኖም፣ ተመሳሳሊ ደብዳቤ ናብ ሰበስልጣን ማዕከን ሃብቲ ኣመሪካ እውን ከምዝለኣኹ ተገሊጹ።

መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ ጽቡቕ ምዕባለታት የርእይ ከምዘሎ ዝገለጹ እቶም ኣባላት ኮንግረስ፣ ነባሪ ሰላም ክሰፍን ግና፣ ሕሉፍ ገበናት ዝፈጸሙ ሰበስልጣናት ብሕጊ ክሕተቱ ኣገዳሲ’ዩ ክብሉ ገሊጾም።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ ዝተሳተፉ ኩሎም ወገናት፣ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ገበናት ፈጺሞም ክብል ህዩማን ራይትስ ዎች ብተደጋጋሚ ክኸስስ እኳ እንተጸነሐ፣ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኩሉ ክስታት፣ ፖለቲካዊ ድፍኢት ኣለዎ ብምባል ከምዝነጸጎ ይፍለጥ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0