ውግእ ሓድሕድ የመን ብሰላማዊ መንገዲ ንምዕራፍ ብስቱር ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ኣብ ዕጹው ማዕጾ በጺሑ

Radio Erena: Tuesday,25 July 2023

ውግእ ሓድሕድ የመን ብሰላማዊ መንገዲ ንምዕራፍ ብስቱር ክካየድ ዝጸንሐ ዘተ፣ ኣብ ዕጹው ማዕጾ ከምዝበጽሐ ሰበስልጣን ኣል ሑቲ ገሊጾም።

ኣገልግሎት ዜና የመን ሳባ ብቀዳም 22 ሓምለ ኣብ ዘመሓላለፎ ዜና፣ ላዕለዋይ ቆንስል ኣል ሑቲ፣ ማህዲ ኣል ማሻት፣ ስዑዲ ዓረብ ደሞዝ የመናውያን ሰራሕተኛታት ኣይከፍልን ብምባላ፣ ነቲ ዘተ ክቕጽልዎ ከምዘይከኣሉ ኣፍሊጡ ኢላ።

እቲ በዓል ስልጣን ኣብ መግለጺኡ፣ ስዑዲ ዓረብ ናይ ነዳዲን ጋዝን እታው ናብ ባንክታታ ኣታዊ ብምግባር፣ ንሰራሕተኛታት የመን ህያብ ትህብ ከምዘላ ከተምስል ትፍትን ኣላ ክብል ከሲሱ።

ማእከላይ ባንክ የመን ስርሑ ደው ካብ ዘብል ጀሚሩ፣ ልዕሊ 500 ሽሕ ሑቲ ኣብ ዝቆጻጸሮ ከባቢታት ዝነብሩ የመናውያን ሰራሕተኛታት፣ ወርሓዊ ደሞዝ ካብ ዘይክፈሎም ዓመታት ኣቑጺሩ ይርከብ።

ኣብዚ ስዑዲ ዓረብ ንሰራሕተኛታት ደሞዝ ክትከፍል ተሳማሚዓ እያ ተባሂሉ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ምንጪ እቲ ገንዘብ ካብ ሽያጥ ነዳድን ጋዝን የመን ዝተረኽበ ስለዝኾነ፣ ካብ መሰረቱ እውን ንብረት የመናውያን እዩ፣ ክብል’ዩ እቲ ላዕለዋይ ፖለቲካዊ ቆንስል የመን ዝገልጽ።

==================

COMMENTS

WORDPRESS: 0