ኣብ ኢትዮጵያ፣ ክልል ጋምቤላ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ብሄር ግጭት ልዕሊ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ

Radio Erena: Monday,24 July 2023

ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኣብ ክልል ጋምቤላ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተጓሃሃረ ግጭት ብውሕዱ 60 ሰባት ከምዝተቐትሉ ንሰበ ስልጣን እቲ ክልል ብምጥቃስ ዘ ሪፖርተር ሓቢሩ።

ብመሰረት እቲ ሓበሬታ፣ ኣስታት ሸሞንተ ካብቶም ዝተቐትሉ ሓይልታት ጸጥታን ፖሊስን’ዮም።

እንተኾነ፣ ብዝሒ ግዳያት ናይቲ ንሳልስቲ ከምዝቐጸለ ዝግለጽ ዘሎ ግጭት፣ ካብቲ ሰበ ስልጣን ናይቲ ክልል ዝህብዎ ዘለዎ ዝተዓጻጸፈ ምዃኑ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ይጠቕሱ።

እቲ ኢታንግ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ፣ ኣብ መንጎ ብሄራት ኑዌርን ኣኝዋክን ዝተኻየደ ግጭት፣ ኣብ መንጎ ተማሃሮ ዩኒቨርስቲ ናይቲ ክልል ብዝተፈጥረ ምቅትታል ከምዝተጎሃሃረ’ዩ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ግጭት፣ ካብ ደቡብ ሱዳን ዝሰገሩ ዕጡቓት ብሄር ሙርለ’ውን ከምዝተሳተፉ ንነበርቲ እቲ ከባቢ ብምጥቃስ እቲ ማዕከን ዜና ኣመልኪቱ።

ኣብታ ክልል ብሰንኪ ዘጋጠመ ምፍራስ ጸጥታ፣ ካብ 19 ሓምለ ኣትሒዙ ሰዓት እቶ እቶ ተኣዊጁ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ነዚ ዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት፣ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ዝተፈላለየ ብሄራት እታ ሃገር ብዝተኻየደ ግጭታት ኣሽሓት ክቕተሉ እንከለዉ፣ ኣማኢት ኣሽሓት ድማ ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም።

ኣብታ ሃገር ኣብ ዝርከባ 11 ክልላትን ክልተ ምምሕዳር ከተማታትን፣ ኣብ መንጎ ተወላዶ ትግራይ፣ ኣምሓራ፣ ኦሮሞ፣ ዓፈር፣ ሶማል፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን፣ ኣኝዋክ፣ ኑዌርን ካልኦትን ናይ ቤርን ቀቢላን ግጭታት ተኻይዱ’ዩ።

እቲ ግጭታት ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ብዘካይድዎ ስርሒታት ዝሃድእ እኳ እንተኾነ፣ ጸጸኒሑ ክነትጕ ‘ዩ ዝርአ።

==========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0