Radio Erena: Thursday, 06 July 2023
ኣብ ጀርመን፣ ከተማ ጊሰን፣ ኤርትራውያን ክተኣኻኸብሉ ይኽእሉ’ዮም ተባሂሉ ኣብ ዝተጠርጠረ ከባቢታት፣ ንመባእሲ ዘገልግል ከም ካራሩ፣ ኣባትርን ኣእማንን ምሓዝ ዝኽእል ግዝያዊ ኣዋጅ ከምዝወጸ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
እቲ ካብ ሓሙስ 06 ክሳብ ሰንበት 09 ሓምለ ኣብ ግብሪ ዝውዕል ኣዋጅ፣ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ዝተፈጥረ፣ ሸውዓተ ኣባላት ፖሊስ ዝርከብዎም 33 ሰባት ዘቑሰለ፡ ባእስን ዕግርግን ከይድገም ንምግትኡ ምዃኑ’ዩ ተመልኪቱ።
ኣብ መናሃርያ ባቡራት፣ መዓርፎ ኣውቶቡሳንን ካልእ ኤርትራውያን ብእኩብ ክራኸብሉን ኣብ ዝኽእሉ ቦታታት፣ ካራሩ፣ ኣባትርን ኣእማንን ዝኣመሰለ ንባእሲ ዘገልግል ዝኾነ ነገር ምሓዝ ክልኩል ምዃኑ ዝሕብር ወረቓቕቲ ክዝርጋሕ ምዃኑ መግለጺ ፖሊስ ብተወሳኺ ኣገንዚቡ።
ፖሊስ ጀርመን፣ ኣብ ፌስትቫል ጊሰን፣ ኣብ መንጎ ኤርትራውያን ክልዓል ንዝኽእል ባእስን ዕግርግርን ንምግታእ ምድላዋቱ ከምዘጻፈፈ ብ03 ሓምለ ሓቢሩ’ዩ።
መደበር ፖሊስ ከተማ ጊሰን፣ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፣ እቲ ካብ 7 ክሳብ 9 ሓምለ ኣብታ ከተማ ክካየድ ተመዲቡ ዘሎ ፌስቲቫል ደገፍቲ ህግደፍ፣ ብሰንኪ ዘይውሑስ ጸጥታ ንኸይካየድ፣ ምምሕዳር እታ ከተማ ከምዝሰረዞ ይፍለጥ።
እንተኾነ ወደብቲ እቲ ፌስቲቫል፣ እቲ ጉዳይ ደጊሙ ክርአን፣ ነቲ ‘ባህላዊ ዕላማ’ዩ ዘለዎ’ ዝበልዎ ምትእኽኻብ ክካየድ ክፍቀደሎምን፣ ናብ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ናይ ይግባይ ጥርዓን ኣቐሪቦም’ዮም።
እቲ መስርሕ ተውሳኺ ወጥሪ ከይፈጥር፡ ንምዕባለታቱ ብዝምልከት፡ ብምስጢር ተታሒዙ ብምህላዉ፣ ብዛዕባ ተኽእሎታት ምክያድ እቲ ፌስቲቫል፣ ብወገን ምምሕዳር ከተም ጊሰን ተወሳኺ ሓበሬታ ኣይተዋህበን።
እቲ ፌስቲቫል ከምዝተሰረዘ ይተሓበር ድኣ’ምበር፣ ንዓርቢ 7ን ቀዳም 8ን ሓምለ፣ ክልተ ናይ ኤርትራውያን ሰለማዊ ሰልፍታት ንምክያድ ተመዲቡ ከምዘሎ፣ ፖሊስ እታ ከተማ ኣረጋጊጹ ኣሎ።
======================
COMMENTS