ብዕብየታ ቀዳማይ ደረጃ እትሕዝ መዘገበ ቃላት እንግሊዝ- ብሊን ተዘርጊሓ

Radio Erena: Wednesday, 28 June 2023

ብዓብደላ ኣብራሃ ዝተዳለወት፣ ዛጊት ዝዓበየት ምዃና እትጥቀስ መዝገበ ቃላት ቋንቋታት እንግሊዝ – ብሊን ኣብ ኣገልግሎት ውዒላ።

እዛ ‘ጃህራይ’ ዝተሰምየት መዝገብ ቃላት፣ ኣብ ዕለታዊ ምብህሃል ዘገልግሉ፣10 ሽሕ ቃላትን ሓረጋትን ቋንቋ እንግሊዝ ናብ ቋንቋ ብሊን ዝተርጎመት እያ።

መጽሓፍ ‘ጃህራይ’ ንተመሃሮ፣ ጸሓፍቲ፣ ተርጎምቲ፣ ተመራመርቲ ቋንቋታትን ካልኦትን ከተገልግል እትኽእል ኣብ ርእሲ ምዃና፣ ቋንቋ እንግሊዝ ክመሃሩ ንዝፈልዩ ኮነ ብኣንጻሩ ቋንቋ ብሌን ንዘጽንዑ ግዱሳት’ውን ጠቓሚት ክትከውን’ያ።

እዛ ካብ 2023፣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ኢትዮጵያ ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ውዒላ ዘላ መጽሓፍ፣ ኣብ ምምዕባልን ምዕቃብን ቋንቋ ብሊን ልዕሉ እጃም ክህልዋው’ውን ትጽቢት ይግበር።

ኣዳላዊ መዝገበ ቃላተ ጃህራይ፣ ዓብደላ ኣብራሃ፣ ኣብ ኤርትራ፣ ኮለጅ ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ዓዲ ቀይሕ፣ ስነ-ሰብ (Anthropology)ን ስነ-ጥንቲ (Archeology)ን ዘጽንዐ እዩ::

‘ጃህራይ’ ብቋንቋ ብሊን ከኾብ ጽባሕ ማለት እዩ።
==================