ሱዳን፣ ንሓይልታት ጀነራል ሐሚቲ ዝተቓወመ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር ተቐቲሉ

Radio Erena: Thursday, 15 June 2023

ኣብ ሱዳን፣ ኣብ መንጎ ክልተ ተጻጸርቲ ሓይልታት ዝተወልዐ ኵናት፣ ካብ ካርቱም ሓሊፉ ናብ ካልእ ከባቢታት ይልሕም ከምዘሎ ኣብ ዝግለጸሉ ዘሎ እዋን፣ ኣማሓዳሪ ዞባ ምዕራብ ዳርፉር፣ ኻሚስ ኣባካር ከምዝተቐትለ ተገሊጹ።

እቲ ኣማሓዳሪ፣ ኣል ሓዳስ ምስ ዝተባህለት ቴሌቪዥን ኣብ ዘካየዶ ቃለ መጠይቕ፣ ብጀነራል ሓምዳን ዳጋሎ ዝምራሑ ፈጣን ሓይልታት፣ ኣብ ልዕሊ ሰለማዊ ህዝቢ ዓሌት ናይ ምጽናት ተግባራት ይፍጽሙ ኣለዉ ክብል ብወግዒ ድሕሪ ምግላጹ’ዩ፣ ብ14 ሰነ፣ ተቐቲሉ።

ርእሰ ከተማ ምዕራብ ዳርፉር ኣብ ዝኾነት ኤል ጀነይና፣ ህዝቢ በቶም ሓይልታት ይጋፋዕን ይዋረድ ከምዘሎ ዝሓበረ እቲ ኣማሓዳሪ፣ ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ጣልቃ ክኣቱ ተማሕጺኑ።

ንሱ ድሕሪ’ቲ ዝሃቦ መግለጺ፣ ብፈጣን ሓይልታት ተታሒዙ እናተጋፍዐ ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ሜድያ ተዘርጊሑ ኣሎ።

ሰራዊት መንግስቲ ሱዳን፣ ፈጣን ሓይልታት ነቲ ቅትለት ከምዝፈጸሙ ብምውቃስ፣ ባርባራዊ ተግባር ክብል ኮኒኑ።

ቕትለት ናይቲ ኣማሓዳሪ፣ ኣብ ሰንኮፍ ዝጸንሐ ስምምዕ ሰላም እቲ ዞባ ከይፈርስን፣ ናብ ሓድሽ ናይ ቀቢላ ግጭታት ከየምርሕ ይስጋእ።
====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0