ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 64 ኤርትራውያን ናብ ርዋንዳ ግዒዞም

Radio Erena: Thursday, 15 June 2023

ኣብ ሊብያ፣ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝጸንሑ 64 ኤርትራውያን፣ ኣብ ርዋንዳ ናብ ዝርከብ ግዝያዊ መጽንሒ ከምዝኣተዉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቲ ኤርትራውያብ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን፣ ብ12 ሰነ ካብ ሊብያ ተበጊሶም ናብ ርዋንዳ ድሕሪ ምእታዊ፣ ካብ ከተማ ኪጋሊ ኣስታት 50 ኪሎሜተር ንደቡብ ርሒቑ ናብ ዝርከብ ጋሾራ ዝተባህለ ግዝያዊ መዕቖቢ ‘ዮም ተሰጋጊሮም።

ሕቡራት ሃገራት፣ ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ንዝርከቡ ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ናብ ርዋንዳ ምግዓዝ፣ ኣብ 2019፣ ካብ ዝጅምር፣ ኣህጉራዊ ማሕበር ስደተኛታት – IOM ንመበል 14 ግዜኡ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገር ኣብጺሑ ዘሎ።

ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ካብ ሊብያ ናብ ርዋንዳ ካብ ዝደዓዙ 134 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን እቶም 64 ኤርትራውያን ክኾኑ እንከለዉ፣ 35 ሱዳናውያን፣ 17 ኢትዮጵያውያን፣ 15 ሶማላውያን፣ 2 ካሜሩናውያን ሓደ ድማ ተወላዲ ማሊ’ዮም።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0