መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ድሕሪ ኵናት ንመጀመርያ እዋኖም፣ ኣብ ባህርዳር ብኣካል ተራኺቦም ዘትዮም

Radio Erena: Monday, 12 June 2023

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ካብ ሕዳር 2020 ክሳብ ሕዳር 2022፣ ንክልተ ዓመታት ድሕሪ ዝቐጸለ ኵናት፣ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ካብ ዝኽተም ኣብ ሻብዓይ ወርሑ፣ መራሕቲ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን፣ ብኣካል ተራኺቦም ከምዝዘተዩ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን።

ብኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝተመርሐ ላዕለዋይ ወኪል ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ፣ ርእስ ከተማ ክልል ኣምሓራ ናብ ዝኾነት ባህርዳር፣ ብ10 ሰነ ድሕሪ ምእታው፣ ምስ ኣማሓዳሪ ናይታ ክልል፣ ኣቶ ይልቃል ከፋለ ብምርኻብ፣
ኣብ ምውሓስ ሰላምን ድሕነትን ክልቲኡ ህዝብታት ብምትኳር ዘትዮም።

እዞም ክልተ መራሕቲ ክልላት፣ ብኣካል ብምርኻብ ዝዝትዩ ዘለዉ፣ ድሕሪ ስምምዕ ንዘተ ሰላም ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ዞባ ምዕራብ ትግራይን ካልእ ከባቢታትን፣ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ናብ ክልል ትግራይ ክምለስ ኣብ ዝግበር ዘሎ ድፍኢት’ዩ።

ዞባ ምዕራብ ትግራይ፣ ምስ ምውላዕ ኵናት ሰሜን ኢትዮጵያ፣ ኣብ ትሕቲ ጥሙር ሓይልታት ኤርትራ፣ ኢትዮጵያን ሚሊሻታት ኣምሓራን ከምዝወደቐ ይዝከር።

ኣብ ሕዳር 2022፣ ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበጽሕ ስምምዕ፣ ሓይልታት ትግራይ ዕጥቖም ክፈትሑ፣ ሰራዊት ኤርትራን ሚሊሻታት ኣምሓራን ድማ ካብ ክልል ትግራይ ክወጹን ዝጠልብ እኳ እንተኾነ፣ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ክሳብ እዚ እዋን’ዚ ኣብ ትሕቲ’ቶም ሚሊሻታት ከምዝርከብ ይፍለጥ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ፣ ብዛዕባ’ዚ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ተወሳኺ ጎነጽ ከለዓዕል ዝኽእል ዋንነት ምዕራብ ትግራይ ብዝምልከት ዛጊት ዝኾነ ንጹር ውሳኔ ኣይሃበሉን።

========================

COMMENTS

WORDPRESS: 0