‘ኤርትራ፣ ንቻይና ኣገዳሲት ሃገር’ያ።’ ኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋንግ ወንቢን

Radio Erena: 15 May 2023

ፕረዚደንት ኤርትራ፣ ኣቶ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፣ ኣብ ቻይና ናይ ኣርባዕተ መዓልታት ወግዓዊ ዑደት የካይድ ኣሎ።

እቲ ፕረዚደንት፣ ኣብቲ ካብ 13 ክሳብ 17 ግንቦት ኣብታ ሃገር ዘካይዶ ዑደት፣ ምስ ፕረዚደንት ዢ ዚፒንግን ቀዳማይ ሚኒስተር ሊ ዅያንግን ብምርኻብ ኣብ ዝተፈላለየ ክልትኣውን ኣህጉራውን ጉዳያት ክመያየጡ ምዃኖም ንኣፈኛ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ፣ ዋንግ ወንቢን ብምጥቃስ፣ ሻንጋይ ደይሊ ሓቢራ።

ኣብ ዝምድና ንእሽቶ ሃገር ኤርትራን ቻይናን ብምትኳር ንዝቐረበ ሕቶ፣ ኤርትራ ንቻይና ኣገዳሲ’ት ሃገር’ያ ዝበለ እቲ ኣፈኛ፣ ናይ ነዊሕ ታሪኽ ምሕዝነት ከምዘለወን ጠቒሱ።

መራሕቲ ኤርትራን ቻይናን፣ ዝዝትይሉ ኣርእስታት፣ ንክልቲኤን ሃገራት ኣብ ዘገድስ፣ ቁጠባ፣ ንግዲ፣ ምትሕግጋዝን ኣህጉራዊ ጉዳያትን ምዃኑ እኳ እንተተመልከተ፣ ብዝርዝር ኣይተነጸረን።

ኣብ ኣፍሪቃ፣ ኣብ ወፍሪን ንግድን ንምምዕባልን ፖለቲካዊ ጽልዋ ድማ ንምፍጣርን እትሕልን ዘላ ቻይና፣ ብፍላይ ምስተን ኣንጻር ሃገራት ምዕራብ ተጻራሪ ፖሊሲ ዘለወን ከም ኤርትራን ዚምባብዌን ዝኣመሰላ ሃገራት ዝምድናኣ ንምሕያል ከም እትሰርሕ ተንተንቲ የረድኡ።

ኣብ መንጎ ቻይናን ኤርትራን፣ ካብ ንፖለቲካዊ ምድግጋፍ ሓሊፉ፣ ኣብ ቁጠባ ዓቢ ረብሓ ዘለዎ ናይ ንግዲን ወፍሪን ምትእስሳር ከምዘይብለን ዘተሓሳስስቡ እቶም ተንተንቲ፣ ጠመተ ቻይና ብቐንዱ ናብተን ኣብ ኣፍሪቃ ሰፊሕ መሬት፣ ብዙሕ ዕቑር ጸጋታትን ብዝሒ ህዝቢን ዘለወን ሃገራት ከምዘተኩር የረድኡ።

ቻይና ኣብ ኤርትራ ብዘይካ ኣብ ዕደና፣ ኣብ ምህናጽ ከም ወደብ፣ ድልድላትን ካልእ ከምኡ ዝኣመሰለ ገዘፍቲ ናይ ትሕተ ቅርጺን ልምዓትን መደባት የብላን።

ብኣንጻሩ እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያን ጂቡቲን፣ ናይ ቢልዮናት ዝግመት ዝተፈላለየ ናይ ልምዓት መደባት ኣብ ምክያድ ከምእትርከብ ይፍለጥ።

=======================

COMMENTS

WORDPRESS: 0