የመን፣ ምልውዋጥ ምሩኻት ይካየድ

Radio Erena: 16 April 2023

ኣብ መንጎ ብስዑዲ ዓረብን መሻርኽታን ዝድገፍ መንግስቲ የመንን ሓይልታት ሑቲን ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ከምዝተጀመረ ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።
እቲ ብዓርቢ 14 ሚያዝያ ጀሚሩ ንጽባሒቱ’ውን ዝቐጸለ ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት፣ ኣካል ናይቲ ኣብ መንጎ ስዑዲ ዓረብን ኢራንን ዝተጀመረ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምዃኑ ማዕከናት ዜና’ታ ሃገር ገሊጸን።
ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ፣ ኣብ ትሕቲ ስዑዲ ዓረብ ዝጸንሑ 900 ምሩኻት ናብታ ኣብ ትሕቲ ኣል ሑቲ ዘላ ከተማ ሰንዓ ክኣትዉ እንከለዉ፣ ኣል ሑቲ ብወገኑ 16 ስዑዳውያንን ሰለስተ ሱዳናውያንን ወተሃደራት ዝርከብዎም ምሩኻት ከኣ ናብ ስዑዲ ኣፋንዩ።
ካብ’ቶም ናጻ ዝወጹ ምሩኻት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቡዎ ቃል፣ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ንዝኽበር በዓል ዒድ ኣል-ፈጥር ምስ ቤተሰቦም ከሕልፍዎ ምኽኣሎም ሕጉሳት ምዃኖም ገሊጾም።
ምልውዋጥ ምሩኻት ኲናት ኣብ መንጎ እዞም ንሸሞንተ ዓመታት ኣብ ኲናት ዝጸንሑ ወገናት፣ ንስምምዕ ሰላም ቅርዑይ ኣፍደገ ዝኸፍት እዩ ክብል ኣህጉራዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ተስፋኡ ገሊጹ።
ወሃብ ቃል ልፍንቲ ሃገራት ዓረብ ኣብ የመን ቱርኪ ኣል-ማሊኪ ኣብ ዝሃቦ ቃል፣ ‘ዕላማና ነፍሲ ወከፍ ምሩኽ ናብ ቤቱ ንምምላስ እዩ’ ክብል ገሊጹ። ብክልቲኦም ወገናት ተታሒዞም ናይ ዘለዉ ቁጽሪ ምሩኻት ብዝምልከት ግና ዝተዋህበ ዝኾነ ሓበሬታ የለን።
ወራሲ ዓራት መሓመድ ቢን ሳልማን ኣብ 29 ዓመት ዕድሜኡ ሚኒስተር ምክልኻል እንከሎ ዝጀመረ ኲናት የመን፣ ብኣማኢት ኣሽሓት ህይወት ምስ ኣህለቐን ህይወት ዜጋታት ምስ ኣመዛበለን፣ ብሓይሊ ብረት ክፍታሕ ኣይክእልን’ዩ ብምባል፣ ሓድሽ ቅዲ ሰላም ሒዙ ምህላዉ ዲፕሎማሰኛታት ማእከላይ ምብራቕ ይገልጹ።

COMMENTS

WORDPRESS: 0