ብሚኒስተር ምክልኻል ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ጂቡቲ ኣብ ሶማል ወግዓዊ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 01 February 2023

ብሚኒስተር ምክልኻል፣ ሓሰን ዑመር መሓመድ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ጂቡቲ፣ ኣብ ሶማል ወግዓዊ ምብጻሕ ከምዘካየደ መርበብ ዜና ሸበሌ ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስተር፣ ብ30 ጥሪ ናብ ሞቛድሾ ኣብ ዝኣተወሉ፣ ምስ ሶማላዊ መዘንኡ፣ ዓብደልቃድር መሓመድኑር ብምርኻብ፣ ኣቐዲሙ ኣብ ዝተጀመረ ናይ ምትሕግጋዝ መደባት ተመያይጡ።

ብሚኒስተር ምክልኻል ሶማል፣ ዓብደልቃድር መሓመድ ኑር ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ ፈደራላዊ መንግስቲ ሶማል፣ ኣብ 24 ጥቅምቲ 2022 ናብ ጂቡቲ ተመሳሳሊ ምብጻሕ ምክያዱ ኣይርሳዕን።

ኣብ ክልቲኡ እቲ ዝተኻየደ ምይይጥ፣ መንግስቲ ሶማል፣ ኣልሸባብ ንምምካት ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ወፍሪ፣ ጂቡቲ ክትተሓጋገዞ ድልዉቲ ከምዘላ ‘ዩ ተገሊጹ።

ጂቡቲ፣ ኣብ ትሕቲ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተሓቖፈ ኣስታት 3500 ዝግመት ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ከምዘላ ይፍለጥ።

ኣብ 14 ጥቅምቲ 2022’ውን፣ ብጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ዘካርያ ሸኽ ኢብራሂም ዝምራሕ ላዕለዋይ ወትሃደራዊ ልኡኽ ጂቡቲ ናብ ሶማል ብምብጻሕ ኣብ ተመሳሳሊ ጉዳይ ምዝታዩ ይዝከር።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0