ኣመሪካ፣ ኣብ ሶማል ብዘካየደቶ ናይ ኣጋር ሰራዊት ስርሒት፣ ሓደ ካብ መራሕቲ ዳዒሽ ከምዝቐተለት ገሊጻ

Radio Erena: 30 January 2023

ፍሉያት ሓይልታት ኣመሪካ፣ ኣብ ሰሜናዊ ሶማል ብዘካየድዎ ስርሒት፣ ቢላል ኣል ሱዳኒ ዝተባህለ ሓደ ካብ መራሕቲ ዳዒሽ ከምዝቐተሉ ተገሊጹ።

ኣብቲ ብትእዛዝ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ተመሪሑ፣ ጎቦታት ኣብ ዝበዝሖ ከባቢታት፣ ብ25 ጥሪ ዝተኻየደ ስርሒት፣ ወትሃደራት ኣመሪካ ንኣል ሱዳኒን ካልኦት ምስኡ ዝነበሩ ሓያሎ ዕጡቓት ንምሓዝ ከምዝፈተኑ፣ ክፍሊ ምክልኻል እታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እንተኾነ፣ ኣብቲ ዝተኻየደ ናይ ቶዅሲ ምልውዋጥ ኣል ሱዳን ዝርከቦም 10ታት ዕጡቓት ከምዝተቐትሉን፣ ኣብ ልዕሊ ወትሃደራት ኣመሪካ ግና ዝበጽሐ ጉድኣት ከምዘየለን፣ ጸሓፊ እቲ ክፍሊ፣ ሎይድ ኦስቲን ኣብ ዝዘርገሖ መግለጺ ኣነጺሩ።

ኣብቲ፣ ንኣል ሱዳኒ ንምሓዝ፣ ብንጹር ዘይተጠቕሰ ሰሜናዊ ክፋል ሶማል ዝተኻየደ ፍሉይ ስርሒት ዝተሳተፉ ብዝሒ ወትሃደራት ኣመሪካ ኣይተሓበረን።

ኣባል መርሒነት ኣልሸባብ ዝነበረ ቢላል ኣል ሱዳኒ፣ ነቲ ናይ ሶማል ምንቅስቓስ ብደረጃ ኣፍሪቃ ንምዕባዩ ምስ ዳዒሽ ከምዝተጸንበረን ካብ 2022 ኣትሒዙ ድማ ብኣመሪካ፣ ኣብ ‘መዝገብ ሽበራውያን’ ሰፊሩ ብዝልዓለ ክህደኑ ካብ ዝጸንሑ ሓደ’ዩ።

ኣብ ጥሪ 2021 ናብ ስልጣን ዝመጸ ምምሕዳር ባይደን፣ ኣብ እዋን ምምሕዳር ትራምፕ ካብ ሶማል ዝተሳሕቡ ኣስታት 700 ወትሃደራት ክምለሱ ድሕሪ ምውሳኑ፣ ብሽበራ ንዝህደኑ፣ ናይ ኣጋር ሰራዊት ብምውፋር ከምዚ ዓይነት ስርሒት ክካየድ እዚ ንመጀመርያ እዋኑ’ዩ።

====================

COMMENTS

WORDPRESS: 0