ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ሰራዊታ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ተወሲኑ

ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ዝርከብ ሰራዊታ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ተወሲኑ

Radio Erena : 06 February 2015

UgSu

ኡጋንዳ ኣብ ደቡብ ሱዳን ተዋፊሩ ዝርከብ ሰራዊታ ንተወሳኺ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብታ ሃገር ክጸንሕ ተወሲኑ።

እዚ ዝተወሰነ፣ ኣብ መንጎ መንግስታት ኡጋንዳን ደቡብ ሱዳንን ድሕሪ ዝተገብረ ስምምዕ’ዩ።

ሰራዊት ኡጋንዳ ነቲ ብፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲት ዝምራሕ መንግስቲ ደቡብ ሱዳን ንምድጋፍ ዝሓለፈ ዓመት ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ዝዝከር ኮይኑ፣ ናይ ኢጋድ ሓይሊ ክሳብ ዝትክኦ እቲ ሰራዊት ካብ ኡጋንዳ ከምዘይስሕብ ፕረዚደንት ዩጋንዳ ዩዌሩ ሙሴቬኒ ምጥቃሱ ይዝከር።

 

ሚኒስትራት ምክልኻል ናይ ክልትኤን ሃገራት ትማሊ ኣብ ከተማ ካምፓላ ብዝኸተምዎ ስምምዕ መሰረት ከኣ ሰራዊት ኡጋንዳ ንዝቕጽል ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ደቡብ ሱዳን ድሕሪ ምጽናሕ ንመጻኢ ብዝህሉ ኩነታት ክውሰን ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዓመቱ ኣሕሊፉ ዘሎ ግጭት ደቡብ ሱዳን ፍታሕ ንምንዳይ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክካየድ ዝተወጠነ ዘተ ፕረዚደንት ሳልቫኪር ሚያርዲትን ተቓዋሚኡ ሬክ ማሻርን ብነጥብታት ክረዳድኡ ብዘይምኽኣሎም ንኻልእ እዋን ተሰጋጊሩ ይርከብ።

==================================

COMMENTS

WORDPRESS: 0