ዩኒሰፍ፣ ኣብ ኤርትራ 1.2 ሚልዮን ቆልዑን ደቂንስትዮን ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ

ኣህጉራዊ ማዕከን ቆልዑ -ዩኒሴፍ፣ ኣብ ኤርትራ ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ፕሮጀክታት፣ 1.2 ሚልዮን ቆልዑን ደቂንስትዮን ንምሕጋዝ ይሰርሕ ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

እቲ ኣካል ሕቡራት ሃገራት ዝኾነ ትካል ኣብ ዘውጽኦ ወቕታዊ ጸብጻብ፣ ኣብዚ ዓመት’ዚ ንምሕጋዞም መደብ ሒዝዎ ካብ ዘሎ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ኤርትራውያን እቶም 600 ሽሕ ቆልዑ’ዮም።

መብዛሕቱ እቲ ሓገዝ፣ ኣብ ክታበት፣ ቀረብ መኣዛዊ መግብታት፣ ፊናንስያዊ ድጋፍ ንዝተወጽዓ ኣዴታትን ዘጠቓለለ ምዃኑ ዘመልከተ ዩኒሴፍ፣ ነዚ ንምትግባር 13.7 ሚልዮን ዶላር ምወላ ከምዘድልዮ ኣመልኪቱ።

ካብ ጥሪ ክሳብ ሰነ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ ዩኒሴፍ ምስ ሚኒስትሪ ጥዕና ኤርትራ ብምዃን፣ ብዋሕዲ መኣዛዊ መግብታት ንዝተጠቕዑ ልዕሊ 12 ሽሕ ቆልዑ ክሕክም እንከሎ፣ እቶም ኣስታት 7 ሽሕ ብከቢድ ዝተሃስዩ ምንባሮም ኣስሚርሉ።

እቲ ትካል፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፣ ቅልውላው መግቢ ኣንጸላልዩ ከምዘሎ ብምምልካት፣ ክሳብ መጀመርያ ወርሒ ጥቅምቲ 2022 ኣብ ዝነበረ ግዜ፣ 4.2 ሚልዮን ቆልዑ ዝርከብዎ፣ 8.5 ሚልዮን ህዝቢ እቲ ዞባ ንከቢድ ጥሜት ተቓሊዑ ከምዘሎ ኣስሚርሉ።

ብጠቕላላ ኣስታት 20 ሚልዮን ህዝቢ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተጸባይ ረዲኤት ኮይኑ ከምዘሎ ‘ዩ ዘመልከት ሓድሽ ጸብጻብ ዩኒሴፍ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0