ሚኒስተር ምክልኻል ዝመርሖ ላዕለዋይ ወኪል ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ

Radio Erena: 19 September 2022

ብሚኒስተር ምክልኻል ሰባስትያን ለኮርኑ ዝምራሕ ላዕለዋይ ወኪል መንግስቲ ፈረንሳ፣ ናብ ጂቡቲ በጺሑ።

እቲ ልኡኽ ብ15 መስከረም ናብታ ሃገር ኣብ ዝበጽሓሉ፣ ብዛዕባ ህልዉ ወትሃደራዊ ኩነታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ንጂቡቲ ዝህልዋ ጸጥታዊ ስግኣት ብዝምልክት ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለን ካልኦት ሰበ ስልጣን እታ ሃገርን ተመያይጡ።

ኣቐዲሙ፣ ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክሮን፣ ምስ ፕረዚደንት እስማዒል ዑመር ገለ፣ ብ10 መስከረም ኣብ ዝገበረኦ ናይ ቴሌፎን ምውውጥ፣ ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተሃዋሲ ኩነታት ተፈጡሩ ኣብ ዘሎ እዋን፣ ፈረንሳ ጸጥታ ጂቡቲ ኣብ ምርግጋእ ኣብ ጎና ደው ከምእትብል ኣረጋጊጽሉ።

ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ኣብ ጂቡቲ ይዛተዩ ምህላዎም ድሕሪ ምግላጹ፣ ኣመሪካ፣ ፈረንሳን ሕብረት ኤውሮጳን ወኪላተን ናብታ ሃገር ከምዝልኣኻ ዲፕሎማሰኛታት ኣሚቶም።

እቲ ኣብ ጂቡቲ ይካየድ ከምዘሎ ዝተገልጽ ዘተ ክልቲኦም ወገናት ዛጊት ኣብ ምንታይ በጺሑ ዝተፍልጠ ነገረ የለን።

ዑደት ሚኒስተር ለኮርኑ ናብታ ልዕሊ 1500 ወትሃደራት ፈረንሳ ዝሓቖፈ ቀዋሚ መዓስከር ዘለዋ ጂቡቲ፣ ኣብ ኩነታት ሰሜን ኢትዮጵያን ቀርኒ ኣፍሪቃን ምምይያጥ ጥራይ ዘተኮረ ኣይነበረን።

ፈረንሳ፣ ኣብ ቅናት ሳሕለ ሳሃራ ንእተካይዶ ዘላ ስርሒታት፣ ጂቡቲ ከም ደጀን ተገልግል ምህላዉ ይጥቀስ።

ብፍላይ ኣብ ማሊ ዝነበራ ሓይሊ ጠቕሊሉ ድሕሪ ምውጽኡ፣ ፈረንሳ ኣብ ጂቡቲ ዝርከብ ወትሃደራዊ መዓስከራ ከተስፍሕ ከምእትደሊ ይግለጽ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0