ወትሃደራዊ ዕልዋ ሱዳን ለውጢ ኣብ ምውሓስ ከምዝፈሸለ ጀነራል ሐመቲ ተኣሚኑ

Radio Erena: 02 August 2022

ወትሃደራዊ ጉጅለ ሱዳን፣ ካብ 25 ጥቅምቲ 2021 ኣትሒዙ፣ ነቲ ሲቪላዊ ወገን ብዕልዋ ብምእላይ ስልጣን ብሒቱ እኳ እንተሎ፣ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ግና ከምዝፈሸለ፣ ብሐመቲ ዝፍለጥ ምክትል ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ሓምዳን ዳግሎ ገሊጹ።

ንሱ ምስ ቢቢሲ ቋንቋ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቅ፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ዕልዋ ብምክያድ ንትሽዓተ ኣዋርሕ ስልጣን ብሒቱ እኳ እንተሎ፣ ዒላማታቱ ኣብ ምህራም ግና ክዕወት ከምዘይከኣለ’ዩ ተኣሚኑ።

ለውጢ ንምምጻእ፣ ራኢን ዒላማታትን ክህልዉኻ ኣለዎም ዝበለ ጀነራል ሐመቲ፣ ሕማቕ ዕድል ኮይኑ ግና ዝሰራዕናዮም መደባት ክዕወቱ ኣይከኣሉን ክብል ደምዲሙ።

ሓደ ሓደ እወታዊ ነገራት ምህላዉ እኳ እንተመልከተ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ኩሉ ነገር ናብ ዝበኣሰ የምርሕ ከምዘሎ ኣሚቱ።

ንሱ ኣብ መወዳእታ ለውጢ ኣብ ምምጻእ ዘይተዓወትሉ ምኽንያት፣ ከቃልዖ ከምዘይደሊ ኣፍሊጡ።

ፖለቲካውያን ሓይልታት ሱዳን፣ ሰሚሮም ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ እንተኽኢሎም፣ እቲ ወትሃደራዊ ጉጅለ ስልጣን ከረክብ ድልዉ ከምዘሎ ጀነራል ዳግሎ ኣብ መወዳእታ ኣተንቢሁ።

ኣቦ መንበር ሉኣላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን፣ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል ቡርሃን፣ ወትሃደራዊ ጉጅለ፣ ስልጣኑ ንፖለቲካዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ከረክብ ምዃኑ ኣብ 4 ሓምለ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

ብዝተፈላለዩ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪካውያን ማሕበራትን ዝቖመ ሓይልታት ለውጢ ሱዳን፣ ንህሉው ኩነታት ኣብ ግምት ብምእታው፣ ኣብዚ ክልተ ሰሙን ቅዋማዊ ምትዕርራይ ክገብርን ቀዳማይ ሚኒስተር ክረቑሕን ምዃኑ ሓደ ካብ ኣባላቱ ኣብዚ ሳልስቲ’ዚ ንሱዳን ትሪቡን ገሊጹ።
===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0