ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝተዋጸአ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ፤ ምስ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዘተ ኣካዪዱ

Radio Erena: 01 May 2022

ካብ ሃገራት ምዕራብ ዝተዋጸአ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ፤ ምስ ወተሃደራዊ ሰበስልጣን ሱዳንን ተቓወምቲ ሓይልታትን ዘተ ኣካዪዱ።

እቲ ካብ ፈረንሳ፤ ጀርመን፤ ኖርወይ፤ ዓባይ ብሪጣንያ፤ ኣመሪካን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተዋጸአ ፍሉይ ጉጅለ ልኡኽ፤ ኣብ ከተማ ካርቱም ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፤ ኣብ ፖለቲካ’ታ ሃገር ንጡፍ ተራ ምስ ዝጻወቱ ዘለዉ በርጌሳውያን ምንቅስቓሳት እውን ዘትዩ።

ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን፤ ነቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ሱዳን ናብ መንገዲ ሰላም ዝመርሓ ወሳኒ መንገዲ፤ እቲ ብዕልዋ ስልጣን ሒዙ ዘሎ ወተሃደራዊ ጉጅለ ስልጣኑ ምስ ዘረክብ ጥራይ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

ኣብ ሱዳን ሰላማዊ ፍታሕ ዘናድይ ዝኾነ ኣካል፤ ንጠለብ ሰልፈኛታት ዘማልእን፤ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ህዝባዊ ናዕቢ ንዘካዪድ ዘሎ ህዝቢ ዝሰምዕን ምስ ዝኸውን ጥራይ እዩ ክዕወት ዝኽል ክብሉ እዮም ሱዳናውያን ተጣበቕቲ መሰላት መግለጺታቶም ዝህቡ።

ኣብ መንጎ ኣልቡርሃንን ሓምዶክን ኣብ ወርሒ ሕዳር ናይ 2021 ዝተገብረ ስምምዕ፤ ዘይቅዱስን ንጠለባት ሰልፈኛታት ዘየማልእን ብምንባሩ’ዩ ዘይተዓወተ ክብል ሓይሊ ንናጽነትን ለውጥን ኣዘኻኺሩ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብወገኑ ብዓርቢ 29 ሚያዝያ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፤ ኣብ ስልጣን ዘሎ ወተሃደራዊ ሓይሊ፤ ንኩሎም ወገናት ሱዳን ዘየሳተፈ ባይቶ ካብ ምቛም ክቑጠብ፤ እንተዘይኮይኑ ግና ብኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ዓለም ተቐባልነት ከምዘይህልዎ ኣተሓሳሲቡ።

================

COMMENTS

WORDPRESS: 0