ሓድሽ ፕረዚደንት የመንን ነታ ሃገር ክመርሕ ዝቖመ ቤት ምኽሪን ስርሖም ንምጅማር ቃለ መሓላ ፈጺሞም

Radio Erena: 22 April 2022

ብ07 ሚያዝያ ስልጣኑ ንዝሓደገ ፕረዚደንት የመን ነበር፣ ዓብደረቦ መንሱር ሓዲ፣ ዝተከአ፣ ራሽድ ኣል ዓሊሚን ነታ ሃገር ክመርሕ ዝቖመ ቤት ምኽሪን፣ ስርሖም ንምጅማር ቃለ መሓላ ፈጺሞም።

ኣቐዲሙ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያትን ኣማኻሪ ፕረዚደንትን ዝነበረ፣ ራሽድ ኣል ዓሊሚ ካልኦት ሸሞንተ ኣባላት ናይታ ቤት ምኽሪን፣ ብ19 ሚያዝያ፣ ኣብ ዓደን ቃለ መሓላ ንምፍጻም’ዮም ካብ ሪያድ ተመሊሶም።

እንተኾነ፣ እቲ ፕረዚደንት ናይታ ቤት ምኽሪን ኣባላቱን፣ ሕጂ’ውን ናብ ስዑዲ ዓረብ ተመሊሶም፣ ኣብ ስደት ኮይኖም’ዮም ንመንግስቲ የመን ከመሓድሩ።

ሓይልታት ሑቲ፣ ኣብ 2015፣ ንዝበዝሐ ክፋል የመን ድሕሪ ምቑጽጻሮም፣ ፕረዚደንትን ኣባላት መንግስቲን የመን ናብ ስዑዲ ዓረብ ሃዲሞም፣ ኣብ ሪያድ ብስደት እናተቐመጡ ‘ዮም ነታ ሃገር ክመርሑ ጸኒሖም።

ንየመን ክትመርሕ ቆይማ ዘላ ቤት ምኽሪ፣ ኣብታ ሃገር ሰላምን ጸጥታን ንምውሓስ ክትሰርሕ ምዃና ተመባጺዓ እኳ እንተላ፣ ግብራውነቱ ኣጠራጣሪ’ዩ።

===================

COMMENTS

WORDPRESS: 0