ነዳዲ ጽዒና፣ ኣብ የመን፣ ን5 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ንኽትልዓል 80 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ

Radio Erena: 11 April 2022

ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን፣ ንሓሙሽተ ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ፣ ንኽትልዓል 80 ሚልዮን ዶላር ከምዘድሊ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ካብ 2017 ኣትሒዛ፣ ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘይዋና ተንሳፍፍ ዘላ መርከብ፣ ዝጸዓነቶ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ንኽትልዓል፣ ምስ ሑቲን መንግስቲ የመንን ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐ፣ ሕቡራት ሃገራት ዝሓለፈ ወርሒ ምግላጹ ኣይርሳዕን።

እንተኾነ፣ እታ መርከብ ንኽትልዓለ፣ ሕቡራት ሃገራት ፣ ብ9 ሚያዝያ ብዝዘርግሖ መደብ መሰረት፣ ናይ ኣስታት 80 ሚልዮን ዶላር ምወላ የድሊ።

ሑቲ፣ ኣብ 2015 ንዝበዝሐ ክፋል ገማግም ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተቖጻጸረሉ፣ እታ ዋንነት መንግስቲ የመን ዝነበረት FSO Safer ዝተባህለት ነዳዲ እትመላልስ መርከብ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽሩ ኣእትዩዋ።

እንተኾነ፣ ነዊሕ ከየገልገለት ኣብ 2017፣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን በርሚል ነዳዲ ጽዒና፣ ካብ ወደብ ሖደይዳ ኣብ ዝተበገሰትሉ፣ ሞተራታ ደው ኢላ ምንቅስቓስ ስኢና፣ ነዳዲ ከተልሑኽ ከምዝጀመረት ተገሊጹ።

ዋንነት እቲ ነዳዲ ዝጠለብ ሑቲ፣ ኣስታት 80 ሚልዮን ዝግመት ዋጋኡ ክምለሰሉ ክሓትት እንከሎ፣ ዝበዝሐ ኣካሉ ኣብ ስዑዲ ዓረብ፣ ኣብ ስደት ዝርከብ መንግስቲ የመን ብወገኑ ተመሳሳሊ ሕቶ ‘ዩ ኣቕሪቡ።

እቲ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረቦ ምውላ፣ ነዚ ብሑቲን መንግስቲ የመንን ዝጥለብ ዘሎ ዋጋ እቲ ነዳዲ ንምኽፋል ድዩ ወይስ ካልእ ኣይተነጸረን።

እታ ን5 ዓመታት ኣብ ሰንፈላል እትርከብ መርከብ እንተተፈንጂራ፣ ኣብ ክሊ ማያት ኤርትራ፣ ጂቡቲን፣ የመንን ስዑዲ ዓረብን ገዚፍ ናይ ኣከባቢ ብከላ ከስዕብ ከምዝኽእል ግሪን ፒስ ዝተባህለ ኣህጉራዊ ተጣባቒ ኣከባቢ የጠንቅቕ።

ብከላ እንተስዒቡ፣ ንምጽራዩ ናይ ኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ክሓትት ምዃኑ ሕቡራት ሃገራት ብወገኑ ኣተሓሳሲቡ።

=================

COMMENTS

WORDPRESS: 0